Home ዜና ፃውዒት ኣሜሪካ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ

ፃውዒት ኣሜሪካ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ

549
0

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ብዕቱብነት ክነጥፍ ኣሜሪካ ኣተሓሳሲባ፡፡ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ምሕላው ሰብኣዊ መሰል ምዕራብ ትግራይ ክትነጥፍ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ሱዕዲ ዓረብያ ዕላዊ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ እዋን ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ምርኻቦም ዘረጋገፀ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ፤ ኣብ ዙርያ ስምምዕነት ዘላቒ ደው ምባል ተፃብኦን ምርግጋፅ ፍትሕን ተሓታትነትን ትኹረት ገይሮም ከም ዝዘተዩ ኣመላኺቱ፡፡

ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶርያ እወንታዊ ስጉምቲታት የርኢ ምህላዉን ክልቲኦም ተፈራረምቲ ኣካላት ብትኹረት ይሰርሕሉ ምህላዎምን ዝገለፁ ኣንቶኒ ብሊንከን፤ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ንኽጣየሽ ውዕል ዝተኣትወሉ ዘይሻራዊ ስግግር ፍትሒ ክምስረትን ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ብትኹረት ክስረሓሉን ድሌት ኣሜሪካ ምዃኑ ኣመላኺቶም፡፡

ኣብ ምፅራይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ መሰላት ዝተፈፀመ ገበን ንምፅራይ ዘይሻራዊን ሓቛፋይን ስርዓት ፍትሒ ከም ዘድሊ ዝሓበሩ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፤ ተሓታትነት ንክረጋገፅ ብዕቱብነት ክስራሕ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ምጥፍፋእ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምፅራይ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣዱ ብሊንከን፤ ነዚ ተግባር ዝፈፀሙ ገበነኛታት ክሕተቱ ይግባእ ድማ ኢሎም፡፡

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ፤ ሓይሊታት ኣምሓራ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበን ምፅራይ ይፍፅሙ ምህላዎም ከምዘረጋገፀ ይዝከር፡፡

#ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩን ፈተዉቲ ተጋሩን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ንከብቅዕ ርብርብ ክግበር ዝፅውዕ ሰልፊ ኣብ ምስላጥ ይርከቡ።
Next article“45 ሚልየን ብር ሓገዝ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ነበርቲ ሪያድ “