Home ዜና ፃውዒት ውድብ ጥዕና ዓለም

ፃውዒት ውድብ ጥዕና ዓለም

829
0

ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክኣትዉ ከምዝግባእ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፀዊዖም፡፡

ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክኣትዉ ከምዝግባእ ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ፀዊዖም፡፡

ብፍላይ ድማ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ናብ ትግራይ ከም ምግብን መድሓኒትን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ድልየታት ክኣትዉ ትፅቢት ከምዝገብሩ ሓቢሮም፡፡

እቲ ስምምዕነት ሓደ ሰሙን ኣቁፂሩ ከምዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምእታው እኩል ግዜ ከምዝኾነን ዝጠቀሱ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ይኹን እንበር ዛጊድ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይኣተወ ገሊፆም፡፡

ብስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ሕጉስ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ዶ/ር ቴድሮስ ይኹን እንበር ከም ምግብን መድሓኒትን ዝበሉ መሰረታዊ ድልየታት ደቂ ሰባት ብዘይወዓል ሕደር ናብ ህዝቢ ትግራይ ክበፅሖ ክስራሕ ከምዘለዎን ኣብ ስቓይ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብቅልጡፍ ክሕገዝ ከምዝግባእን ተዛሪቦም፡፡

ከም ባንኪ፣ቴሌኮምኒኬሽን፣ ኤሌትሪክ፣ዝበሉ መሰረታዊ ህዝባዊ ግልጋሎታት እውን ክኽፈቱ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡    

Previous articleምርኻብ ዝተጣፍኡ ስድራ
Next articleዕለታዊ ናብራይ ንምምላእ ኣብ ፅርግያ ኣስቤዛ ዘርጊሐ  ዝዝሓልፍ ሰብ ዶ’ኾን ይገዝአኒ ብተስፋ እየ ዝመውት