Home ዜና ፃውዒት ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ

ፃውዒት ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ

1184
0

—-

ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ውዕል ተኹሲ ደው ምባልን ኣብ ናይሮቢ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ኣፈፃፅማ ተግባርን ሙሉእ ድጋፉ ዝገለፀ ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ፤ ብመሰረት እቶም ስምምዕነታት ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦም ዝግባእ መድሕን ህይወት ዝኾነ ሰብኣዊ ሓገዝን መንግስታዊ ግልጋሎታትን ክሳብ ሕዚ ክረክብ ብዘይ ምኽኣሉ ሻቕሎት ዝፈጥር እዩ ኢሉ፡፡

ኣዛተይቲ ሰላም መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ናብ ዝኾኑ ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆን ነበር ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታን ከምኡ ድማ ናብ ኩሎም ኣብቲ ስምምዕነት ኢድ ዝነበሮም ኣካላትን ዝተፅሓፈ ደብዳቤ ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ፤ ሓደ ወርሒ ኣቑፂሩ ዘሎ ስምምዕነት ተኹሲ ደው ምባል ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦ ዝግባእ ሓገዝ ከም ዘይረኸበ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዝተኣወጀ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጥሜትን ሕማምን ግዳይ ሞት ምዃኑ ዘዘኻኸረ ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ እውን እንተኾነ ስኣን ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ተወሳኺ ህዝቢ ግዳይ ሞት ክኾኑ ኣይግባእን ኢሉ፡፡

ኣብ ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ሰብ ሞያ መፃረይ ገበን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብዘውፀኦ ፀብፃብ ሓይልታት ፅንተት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ጨፍጫፍ፣ ፆታዊ ዓመፅን ጥሜት ከም መሳርሒ ኲናትን ከም ዝተጠቐሙ ምስክርነት ምሃቡ ዘዘኻኸረ ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ እዞም ግፍዒታት ድሕሪ ስምምዕነት እውን ይቕፅል ምህላዉ ኣፍሊጡ ፡፡

ብመሰረት መምርሒ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት 2018 ዓንቀፅ 24/17 ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ህፁፅን ዘይተገደበን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሖ፤ ማሕበረሰብ ዓለምን ኣሸማገልቲ ኣካላትን ብትኹረት ክሰርሕሉ ዝፀወዐ ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምብፃሕን ግልጋሎታት ኣብ ምጅማርን ኣብ ልዕሊ ዘተዓናቕፉ ኣካላት ስጉምቲ ክውሰድ ፀዊዑ፡፡

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝርከብ ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ህዝቢ ይጭፍጭፍ ንብረት ይወርርን የዕኑን ምህላዉ፣ ከምኡ ድማ ፆታዊ ዓመፅን ምስዋር ሰላማዊያን ሰባትን ይፍፅም ኣሎ ዝበለ እቲ ማሕበር፤ ብመሰረት ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ግዝኣታዊ ወሰን ትግራይ ቅድሚ ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ናብ ዝነበሮ ክምለስ ፀቕጢ ክግበር ኣለዎ አሉ፡፡

ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሓይልታት ፅንተት ክሳብ ሕዚ ተመዛቢሎም ዘለዉ ደቂ ትግራይ ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱን፤ ብመሰረት ሕጊ ተመዛበልቲ እኹል ድጋፍ ክግበረሎም ይግባእ ዝበለ ዓለም ለኸ ምሁራንን ሰብ ሞያን ትግራይ ዓለም ለኸ ሚዲያታትን ትካላት ሰብኣዊ መሰለን ናብ ትግራይ ንኽኣትዋ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ክፈጥር ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleዉዕሊ ጠጠው ምባል ተፃብኦ ንዘላቒ ሰላም
Next articleክሳብ 65 ሚእታዊ  ሰራዊት ትግራይ ካብ  መስመር ውግእ ከምዝወፀአ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ታደሰ ወረደ ገሊፆም፡፡