Home ዜና ፅሩይ መስተ ማይ ቦራ ቸሊና

ፅሩይ መስተ ማይ ቦራ ቸሊና

1053
0

ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍን ብምትሕብባር ብልዕሊ ሸውዓተ ነጥቢ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብ ከተማ ቦራ ቸሊና ዘሃነፆ ትካል ፅሩይ መስተ ማይ ኣረኪቡ፡፡

ፋሽስታያንን ወረርትን ሓይልታት ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ወረዳ ቦራ ቸሊና ኣብ ልዕሊ ትካላት ማይ ብዘብፅሕዎ ከቢድ ዕንወት ሕ/ሰብ እቲ ከባቢ ብሕፅረት ፅሩይ መስተ ማይ ኣዝዩ ተፀጊሙ ፀኒሑ እዩ፡፡

ነዙይ ዝተረደአ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ምስ ትካል ዓለም ለኸ ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን ብምትሕብባር ብልዕሊ 7.5 ሚልዮን ብር ወፃኢ ኣብታ ከተማ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ሃኒፁ ንሕ/ሰብ እቲ ከባቢ ኣረኪቡ፡፡

ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ትግራይ ኢንጅነር ቴድሮስ ገ/ሄር ልፍንታዉያን ወረርቲ ህዝቢ ትግራይ ብኹለመዳይ ንምፅናት ብዝፈፀምዎ ጀኖሳይድ ኣብ ትግራይ ልዕሊ 10 ሽሕ ትካላት ማይ ዓንየን እየን ምስ በሉ ነዚ ዳግም ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ድማ እቶም ሓገዝቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍ ብምንኣድ ብቐፃልነት እዉን ኣጠናኺሮም ክቕፅልሉ ፀዊዖም፡፡

መተሓባበሪ ትካል ዓለም ለኸ ገባሪ ሰናይ ዩኒሴፍ ብወገኖም ትካሎም ብኲናት ንዝተሃሰየ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ድልው ምዃኑ ብምሕባር ብፍላይ ከም ዩኒሴፍ ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዝዓነዋ ትካላት ማይ ደጊሙ ንምህናፅ ዛጊድ ብዘሳለጦም ስራሕቲ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚኢቲ ትካላት ማይ ፀጊኑ ንግልጋሎት ከም ዘብቀዐ ገሊም፡፡

ነበርቲ ከተማ ቦራ ቸሊና ብወገኖም ፀላእቲ ኣብ ከባቢኦም ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኩሎም መሰረተ ልምዓት ብዝፈፀምዎ ከቢድ ዕንወት ንዓብይ ፀገም ማይ ተሳጢሖም ከም ዝፀንሑን በዙይ እውን ንዝተፈላለዩ ማይ ወለድ ሕማማት ይቃልዑ ምንባሮሙ ብምጥቃስ ሐዚ ግን እቲ ዝተሃነፀ ማይ ፀገሞም ከም ዘቃልለሎም ተዛሪቦም፡፡

ብህይወት ብርሃነ

Previous articleእምቢታ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
Next articleዕፅዋ ሰብኣዊ ሓገዝ