Home ዜና ፅንትት ወይስ ህላወ

ፅንትት ወይስ ህላወ

2225
0

ህላወ ወይስ ፅንተት ዕጫ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድን መዛርይቱን ገጢሙዎ ዘሎ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ፈተናን ኣብ ልዕሊ ዝወርድ ዘሎ ፅንተትን ዝተሓላለኸን፤ ቡዙሓት ኣንፃር ህላወ ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ዝተፀመዱ ሓይልታት ረረብሐኦም ንምርግጋፅ ንኹለመዳይ ፅንተት ዝተሳተፍሉን ዝጠሓልሉን እዩ።

እዚ ግጥም  እዚ ፈተና መፃኢት ትግራይን ህዝባን ዝውስን ኾይኑ እዚ ፈተና ብዓወት ህዝቢ ትግራይ መዕለቢ እንትረክብ ካብ ምርግጋፅ ሃለዋት ህዝቢ ትግራይን  ምብርዓን ሓይልታት ፅንተትን ካብ ምኻን ሓሊፉ ንካልኦት ውፅዓትን ፀረ-ወፅዓን በደልን ንዝቃለሱ ህዝብታት ተመክሮን ትምህርቲን ዝህብ ከምዝኾነ ቡዙሓት ይስማዕምዑ ። ህዝቢ ትግራይ ናይ ዘመናት ቃልሲ ህላወን ፅንተትን ሰጊሩ ፀላእቱ ከከም ኣመፃፅእኦም መኪቱ ኣሕፊሩ ስዒሩ፤ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓወት ብምምዝጋብ ዝፍለጥ ህዝቢ እዩ። መፃሕፍቲ ታሪኽ እውን ህዝቢ ትግራይ ወናኒ ጅግንነትን ፅንዓትን፣ ሓርነትን ተዓዋታይነትን፣ በዓል መትከልን ዕላማን፣ ህዝባዊነትን ሰብኣዊነትን ምኻኑ እዮም ዘረጋግፁ።

ህዝቢ ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓማውቲ ዘሕለፎም ስቃይን መከራን ኣብ ታሪክ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ንምዝራቡ መፀገሚ ንምርኣዩ መሰቀቒ  ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ተዓዘብትን  ኣብ ዓለም ጎሊሆም ዝደመቁ ሙሁራን ትግራይ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ግን ድማ እዚ መከራን ስቃይን ከምዝሓልፍ እቶም ሙሁራን የረጋግፁ።

ህዝቢ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ  መኸተን ንህላወን ድሕንነትን፤ ንክብሩን መንነቱን ኢሉ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እዩ። ፍትሓውን ርትዓዊን ቃልሲ ብምኻኑ ድማ ብዓወት ህዝቢ ትግራይ ከምዝፍፀም ካብ ሓረስታይ ክሳብ ሙሁር፣ ካብ ዓብይ ክሳዕ መንእሰይ፣ ካብ ግዳይ ደብዳባት ድሮንን ነፈርትን ክሳብ ግዳይ ጥሜት፣ ብሰንኪ ስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ስቃይን መከራን ዘሕልፍ ዘሎ ትግረዋይ ከምኡ እውን ካብ መራሒ ሃይማኖት ክሳብ ከያኒ፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ዝነብር ክስብ ዲያስፖራ ትግራዋይ ኣብዚ ቃልሲ ሓንቲ እያ ቃሎምን ተግባሮምን። ኩሎም ብዘይ ኣፈላላይ ህላወ ወይስ ፅነተት ኢሎም ይሓቱ፤ ዋሕስ ህላወን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱን ሕብረቱን እዩ ኢሎም ዓው ኢሎም የድምፁ።

ስለዝኾነ ድማ ይብል ህዝቢ ትግራይ ዘለና ኣማራፂ ህላወ ወይ ፅንተት እዩ፤  መበገሲኡ ካልእ ኣማራፂ ስለዘይብሉን  እንኮ ኣማራፂኡ ንሳ ጥራሕ ስለዘኮነት እዩ። ምሽጥር ኩሎም ዓወታት ህዝቢ ትግራይ ድማ ካብ ሓድነቱን ስምረቱን ይምንጭዉ።  ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱን ስምረቱን ህያው ብምግባር ዓወት ህዝቢ ትግራይ ግድን ከም ዝኮነ ብዜካ እቶም ኣብ ባይታ ዘሎ ስዕረት ዘይቅበሉ ፋሽስታውያንን ባንዳታትን ካልእ ዝጠራጠር ትግራዋይ የለን።

ንቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝድግፉን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝፍፀም ዘሎ ፅንተት ዝሳተፉ ዘለው ኣካላት ታሪካዊ ስሕተት ይፍፅሙ ከምዘለው ዘረጋግፁ ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ እውን ኣለው። እዞም ኣካላት በቲ ህዝቢ ትግራይ ዝሓፍሶ ዘሎ ዓወት ከምዝሕበኑን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ኮይኖም ከም ዝቃለሱን የረጋግፁ።

ብቁዕ መሪሕነት ሓደ ካብቶም ምሽጥራት ዓወት ህዝቢ ትግራይ እዩ። ፀላእቲ ብኣፎም ናይ ቃልዓለም ሰላም እንዳበሉ ኩሉ ዓይነት ምድላዋት ክገብሩ ፀኒሖም። ትግራይን ህዝባን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ንምእታውን ህዝቢ ትግራይ ንምብርካክን ዝነበሮም ትልሚ ብጅግና ስራዊት ትግራይ በርዒኑ። ትልሞም ሕልሚ ከይኑ። ትልሞም ፈሺሉ። እዚ ዓወት ውህደትን ምንባብን ሓዱሽን ነባርን ወለዶ ኮይኑ ብቁዕ መሪሕነት ድማ ዓብይ ስፍራ ኣለዎ።

ህዝቢ ትግራይ ዝለኣኾ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ኩሉ ግንባራት ዓወት ዝሓፍስ ዘሎ ዝተበገሰሉ ዕላማን ንህላወ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲን ፍትሓዊ ስለዝኾነ እዩ። ህዝብን መራሕትን ትግራይን ትርጉም ሰላም ብዝግባእ ስለ ዝፈልጡ ብኲናት ዝፍታሕ ውራይ የለን፤ እዚ ጉዳይ ብሰላም ክፍታሕ ኣለዎ። ናይ ኩሉ ግዜ ቅዋሞም እዩ። ሐዚ እውን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ደው ኢሉ ብዘተ ሰላም ክፍታሕ ኣለዎ ይብሉ።

ዓለም ሓይሊ ሚዛን እያ ትኣምን። ዝሓዝካ ሓቂ ሓዝ፣ ዝሃለወ ሃፍትን ጋዕ ገልጠምን ይሃልኻ ንዓለም ዘገድሳ ተመዝግቦ ዘለኻ ዓወትን ኣብ መድረኽ ዓለም ዘለካ ሓይሊ ሚዛንን ተቀባልነትን እዩ ።  ህዝቢ ትግራይ  ዘካይዶ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ህላወ  ብዘተ ሰላም ንምፍታሕ ኮነ ብኲናት ንምፍታሕ ቅልፅም ህዝቢ ትግራይ ወሳኒ እዩ ዝብሉ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ቅልፅም ህዝቢ ትግራይ ክብርኽ ከምዘለዎ  ናይ ኩሎም ሓሳብን እምነትን እዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሳይንሳዊ ጥበብ መሪሕነቱን ጅግንነት ደቁን ከምዝዕወት ድማ ርግፀኛ እእዩ።  “ፅባሕ ክወግሕ ዩ” ቃልን ተግባርን ኩሉ ትግራዋይ እዩ።

ዓበይቲ መራሕቲ ህዝቢ ትግራይ ድማ ነቲ ህዝቢ ትግራይ ፅባሕ ክወግሕ እዩ ። ኣብዛ ትሓልፍ ሕማቅ እዋን ህያውን ነባሪን ታሪክ ጅግንነትን ፅንዓትን ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ክፍፅም የተሓሳስቡ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ብደቁ ክሕበን፣ ክተኣማመንን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ግድንን ምኻኑ የረጋግፁ።

ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ እንኮ ኣማራፂን ዕጫን ሓንቲ እያ። ሰራዊት ትግራይ ዘመዝግቦ ዘሎ መስተንክራዊ ጅግንነት፣ ብልሓትን ተፃዋራይነትን ቀፃልነት ሃልትዎ ሕልሚ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ኣበርዒንካ መንነትካን ክብርኻን ዓቂብካ ህላወኻ ምርግጋፅ እዩ። ነዚኣ ትምጥን ምንባብን ስራሕን ድማ ካብ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ትፅቢት ይግበር። ብስራሕ እታ “ትግራይ ትስዕር” ትብል መሪሕ ሓሳብ ህዝቢ ትግራይ ብግብሪ ንምርኣይ ኣብ ዝግበር ርብርብ ኩሉ ትግራዋይ ከም ንህቢ ተወዲቡ ክታሙ ከዕርፍ ኣለዎ ናይ ኩሉ ግዜ መልእክቲ ህዝብን መንግስትን ትግራይ እያ።

ብሰለሞን በርሀ

Previous articleጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘካይዶ ዘሎ ተኸታታሊ ደብዳብ ድሮን ፋሽስታዊነቱ ካብ ምርግጋፅ ሓሊፉ ኣብ ባይታ ዝገጥሞ ዘሎ ስዕረት ዘቐይር ኣይኮነን!!
Next articleሰለማዊ ሰባት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮን ሎሚ 7 መስከረም 2015 ዓ/ም ኣብ ከተማ መቐለ ተኻይዱ