Home ዜና ፆሙ ዝሓድር መሬት ኣይህሉን

ፆሙ ዝሓድር መሬት ኣይህሉን

1021
0

ነጋዶ ከተማ መቐለ ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ ማይ ዓለም ንዘመናት ዘይሕረስ ዝነበረ መሬት ብምሕራስ ናብ ረብሓ ይቕይርዎ ኣለዉ፡፡

ክባን ዕፅዋን ስዒቡ ዝኾነት መሬት ፆማ ከይትሓድር ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተሓንገጡ ኣብ ሃይሃይታ ስራሕቲ ማሕረስ ዝረኸብናዮም ነጋዶ ከተማ መቐለ እዮም፡፡

እቶም ነጋዶ ዘይሕረስ ዝነበረ ቦታ እንትሓርሱን ንፁጉማት ሓረስቶትን ስድራ ገድሊን ሓገዝ እናገበሩን ኢና ረኪብናዮም፡፡

ወ/ሮ ኪሮስ ከበደውን ኣይተ ሸጓዕ ግርማይን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ህዝባዊ ኲናት ደቆም መሪቖም ዝሰደዱ ስድራ ገድሊ ጣቢያ ማይ ዓለም እዮም፡፡ እቶም ሓረስቶት ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ኣብ ፀገም ወዲቖም ንማሕረስ ዝጥቀሙሎም ዝነበሩ ኣብዕሮም ዘርኦምን ሸይጦም መዐንገሊ ስድራ ጌሮሞ በዚ እዉን ከይተሓረሰ ዝፀንሐ መሬቶም በቶም ግዱሳት ነጋዶ ከተማ #መቐለ ተሓሪሱ ንክዝራእ ኢና ረኺብናዮም ንዝተገበረሎም ድጋፍ ድማ ኣመስጊኖም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ማሕረስ መዓልታዊ ስራሕቲ ዝውግና ኣዴታትን መናእሰይን ቖፂሮም ዕድል ስራሕ እውን ፈጢሮም እዮም እቶም ነጋዶ፡፡

ዘለናሉ እዋን እዋን መኸተ እዩ ዝበሉ እቶም ነጋዶ እዚ እንገብሮ ዘለና ድጋፍ መርኣያ ደጀንን ግንባርን እዩ ቓልስና ክሳብ ዝዕወት ድማ ሓገዝና ቐፃሊ እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ነጋዶ ብሰንኪ ክባን ዕፅዋን እንንቀሳቐሶ ሸቐጥ ኮነ ገንዘብ የብልናን ግን ድማ ንዘጋጠመና ፈተና ኢድና እንህብ ኣይኮነን ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሃፍትን ዓቕምን ክንጥቀም ይግባእ ንሱ እውን እዩ መፍትሒኡ ኢሎም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ጎና ጎኒ በፂሒዎ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ወረርትን ንምምካት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ቓልሲ ውሽጣዊ ዓቅምታቱ ብምጥቃም ዳግም ህንፀት ትግራይ ንምርግጋፅ እውን ኣበርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ፡፡

ብገነት ካሕሳይ

Previous articleቁጠባዊ መዋጥር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ
Next articleሽልማትን ኣፍለጦን ሎሬት ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ