Home ማሕበራዊ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምመሳርሒ ኲናት

ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምመሳርሒ ኲናት

1176
0

ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይን ውልቀ መላኺ መንግስቲ ኢሳያስን ንትግራይ ኣብ ዝወረርሉ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምመሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ምንባሮም ግዳያት ገሊፀን፡፡እቶም ወረርቲ ናይ ኢዶም ንክረኽቡ ንቓልሲ ብቑዕ ዝኾነ ኩሉ ክጋደል ከምዝግባእ እተን ኣዴታት ሓቢረን፡፡

እዛ ንእስቲ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ፋሽሽታውያን ንዓኣን ከምኣ ዝበሉ ደቂ ትግራይን ኩሉ ነገሮም ኣሕዲጎም ብግፍዒ እንተባርርዎም ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን በሰላ ከምዝበፅሓ ተዛሪባ፡፡ብዙሕ ፈተናታት ሰጊራ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ እንተበፅሐት እውን ወረርቲ ናብ ዘላቶ መፂኦም ልብኻ ዝሰብር ዘረባታት ፅልኣት እንዳተዛረቡ ሰለስተ ኮይኖም ደፊሮማ፡፡ ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ዝነባርነተን ኮነ ተመዛበልቲ ሰራዊት ጉጅለ ፋሽሽት ኣብይን ኣራዊት ሰራዊት ውልቀ መላኺ ሳያስን ዕድመ ከይፈለዩ ኮነ ኢሎም ምድፋሮም ግዳያት ገሊፀን፡፡

እቶም ወረረቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከምመሳርሒ ኲናት ይጥቀምሉ ብምንባሮም ንስነ-ልቦናውን ኣካላውን መጉዳእቲ ከምዝተሳጥሓ እተን ኣዴታት ወሲኸን ገሊፀን፡፡ዕድመ እዞም ኣረሜናውያን ወረርቲ ንኽሓፅር ክቃለስ ዝግበኦ ኩሉ ክኸትት ከምዝግባእ እተን ግዳያት ሓቢረን፡፡

እቶም ወረርቲ ካብ ዝዓበዩ ክሳብ ዝነኣሱ ኣብ ፆታዊ መጥቃዕቲ ብምዉፋር ተሊሞም ይፍፅምዎ ምንባሮም ዝሓበራ ኣተሓባባሪት ምትእትታው ስርዓተ ፆታን ጉዳይ ህፃናትን ከተማ ዓብይ ዓዲ መምህር ሙሉ ገ/ኪዳን ፋሽሽታውያን ሕልሞም ከንቱ ንኽተርፍ ንግዳያት ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ዝግባእ ክንክን ክገብረለን ፀዊዐን፡፡

ብገ/መስቀል ኪሮስ

Previous article“ፋኖ ዕጥቁ ይፍታሕ! ” ለበዋ ትካላት ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል
Next articleሞት ነብሰፁር ኣዴታት