Home ሕርሻ ፋሽስታዊ ክልከላ እታዎት ሕርሻ

ፋሽስታዊ ክልከላ እታዎት ሕርሻ

1148
0

—-

ክልከላ እታዎታት ሕርሻ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ስዒቡ መፍረያይነት ዘበነ ምህርቲ 2014/15 ክቅንስ ከምዝኽእል ሓረስቶት ወረዳ እንደርታ ገሊፆም፡፡

እዞም ሓረስቶት ቅድሚ ሓደ ወርሒ መሬቶም ክሓርሱ ይግባእ ነይሩ፡፡ ብሎሚ ፅባሕ እታዎታት ሕርሻ ናብ ትግራይ ክበፅሕ ትፅቢት እኳ እንተነበሮም ብክልከላ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ግና ክረኽቡ ኣይከኣሉን፡፡ ብምዃኑ እውን ብዘይ ዘመናዊ ድኹዒ ክዘርኡ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብተመሳሳሊ ክረምቲ እውን ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ሓረስቶት ትግራይ ከይሓርሱ ከምዝኸልከሎም ዓለም ለኸ ሚድያታት ኣቃሊዐን ምንባረን ይዝከር፡፡ ክልከላ እታዎታት ሕርሻ ስዒቡ መፍረያይነት ክትሕትን ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ክፀንትን ዝዓለመ ምኻኑ ድማ እቶም ሓረስቶት ገሊፆም፡፡

ስኣን ዘመናዊ ድኹዒ፣ ምሩፅ ዘርእን ፅረ ባልዕን ዝኣመሰሉ እታዎታት ሕርሻ 70 ሚኢታዊት መፍረያይነት ዘበነ ምህርቲ 2014/15 ዓ/ም ክቅንስ ከምዝኽእል ዝገለፁ ድማ ኣብ ወረዳ እንደርታ ኪኢላ ስነ-ዝራእቲ ቤት ፅሕፈት ሕርሻን ገፀር ልምዓትን እታ ወረዳ ኣይተ ጌታቸው ገ/ሄር እዮም፡፡

ሕዚ እውን እዋን ክራማት እዚ ዘበነ ምህርቲ መሊኡ ከይሓለፈ እታዎታት ሕርሻ ናብ ሓረስቶት ትግራይ ክበፅሕ ድፍኢት ማሕበረ ሰብ ዓለም ክሕይል ከምዝግባእ ኣይተ ጌታቸው ወሲኾም ገሊፆም፡፡  

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleመግለፂ  ውድብ ባይቶና
Next articleሕሱም ናብራ ስደተኛታት ኤርትራ ኣብ ዳባት