—
ፋሽስት ጉጅል ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ 24 መስከረም 2015 ዓ/ም ኣብ ከባቢ ዓዲ ዳዕሮ ተመዛቢሎም ይንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ብዝካየዶ መስካሕከሓይ ደብዳብ ድሮን፣ ዛጊድ ልዕሊ 50 ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ 70 ዝኾኑ ከቢድ መቁሰልቲ በፂሕዎም ኣሎ። እቶም ከቢድ ጉድኣት ዝበፀሖም ወገናት ድማ ብስንኪ ስእነት መድሓንትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከቡ መሳርሕትና ኣፈወርቅ ገ/ህይወት ካብ’ቲ ቦታ ፀብፂቡ።