Home ዜና ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ...

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰንን ምስ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳን ካብኔኦምን ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዮም።

533
0

ምዉሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምጅማር ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤትን ምዉፃእ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይን ኣብቲ ዘተ ብዕምቆት ዝተዘተየሎም ጉዳያት ከም ዝኾኑ ሓላፊ ቺፍ ካብኔ ሴክሬታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓቢሮም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ሰፊሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ገበናት ይፍፅሙ ምህላዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓይሊ ምቕያር መንነትን ዲሞግራፊያዊ ለዉጢን ብቅሉዕ ይሰርሕሉ ከም ዘለዉ ነቲ ልኡኽ መብርሂ ከም ዝተዉሃቦ ኣብሪሆም።

ብሰንኪ እዞም ሓይልታት ድማ ተመዛቢሉ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ሱዳን ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ብስእነት ሰብኣዊ ረዲኤት፣መድሓኒትን መፅለልን ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዝርከብ ዝገለፁ ኣይተ ኣማኑኤል እዚ ህፁፅ መፍትሒ ክግበረሉን እቶም ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱን ዘይተቋረፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡን ከም ዘለዎም ኣብቲ ዘተ ብሰፊሑ ከም ዝተዘተየሉ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ጉዳይ ከይዲ ምዉራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ፣ናብ ሕብረተሰብ ምሕዋስን ምጥያሽን እዉን ከም ዝተዘተየሉን ዛጊድ ኣብ ምዉራድ ዕጥቂ ፅቡቕ ክያዶ ከም ዝተኸየደሉ ተገሊፁ።

ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ምስ ምሃብ ሕጋዊ ሰዉነት ህወሓት ተታሓሒዙ ዘመሓላለፎ ዉሳነ ዓንቃፍን ነቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተፈረመ ዉዕሊ ሰላም ዝጥሕስን ጥራሕ ዘይኮነስ ህልዉና ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ሓደጋ ዘዉድቕ ተግባር ምዃኑን ክእረም ከም ዘለዎን ቅዋም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ነቶም ኣምባሳደራት ግልፂ መብርሂ ከም ዝተውሃቦም ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ኣብሪሆም።

ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ#USAIDን ትካል ምግቢ ዓለም#WFPን ናብ ትግራይ ዘቖርብዎ ዝነበሩ ሰብኣዊ ረዴኤት ምቁራፁ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓገዝ ዝጠልብ ህዝቢ ትግራይ ሞት፣ሕማምን ከቢድ ጥሜትን የስዕብ ብምህላዉ ቀልጢፉ ክፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ከም ዝዘተዩ እዉን ኣይተ ኣማኑኤል ግልፂ ጌሮም። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰንን ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከቡ ማእኸል መዕቖቢ ተመዛበልቲ ትግራይ ተዘዋዊሮም ህልዉ ኩነታት እቶም ተመዛበልቲ ተዓዚቦም ኣለዉ።

ብተኽለወይኒ ኪዳነ ኣረጋዊ

Previous articleቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ብሰንኪ ኵናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላሶምን ከቢድ ስእነት ናዊቲ ትምህርቲን መምሀሪ ክፍሊን ከምዘጋጠሞ ገሊፁ፡፡
Next articleኣብ ትግራይ መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝወሰኸ ምንካይ ድኽዳኸ ህፃናት ቃልኪዳን ሰቖጣ ገሊፁ ፡፡