Home ዜና ፍትሒ ዝፅበያ ፆታዊ ጥቕዓት ዘጋጠመን ደቂኣነስትዮ

ፍትሒ ዝፅበያ ፆታዊ ጥቕዓት ዘጋጠመን ደቂኣነስትዮ

933
0

ብተደጋጋሚ ፆታዊ ዓመፅ ውንኣ ስሒታ ብምንባራ እቶም ኣብ ልዕሊኣ ፆታዊ ጥቕዓት ዝፈፀሙ ሓይልታት ፅንተት ቁፅሮም ክንደይ ምዃኖም ክትዝክሮም ኣይከኣለተን።እዛ ንእስቲ ፀላእቲ ንዞባ ምዕራብ ትግራይ እንትቆፃፀሩ ነይሩ እቲ ግፍዒ ዝተፈፀማ።

ካልእ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ ወረርቲ ዝኾነት ንእስቲ ነባሪት ከተማ ሓውዜን ብወገና ንብረተይ ድሕሪ ምውራሮም እዮም ነቲ ጥቕዓት ፈፂሞመለይ ትብል።

እዘን ደቂ ኣንስትዮ ብዕስለ ምድፋረን ከይኣክል ተደፊረ ኢለን ብምዝራበን ጥራሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክዳጎናን ቁስለን ከይሓወየ ዳግማይ ፆታዊ መጥቃዕቲ ተፈፂሙወን እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ እውን በቲ ኮነ ኢሎም ወላድ ማህፀነን ንምርኻስ ብሓይልታት ፅንተት ዝበፀሐን ግፍዒ ፀይረን ህይወተን ንምምራሕ ንዝሐሸ ፅባሕ  ስራሕ ከይናዓቃ እናሰራሓ ይርከባ፡፡

ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ እውን ከማና ከይተሰኮና ብሩህ ተስፋ  ተሓንጊጠን ንዝሓሸ ህይወት ክሰርሓ ይግባእ ክብላ ድማ  እዘን ግዳያት ፆታዊ መጥቃዕቲ መልእክተን ኣመሓላሊፈን፡፡

መንግስቲ ትግራይን መንግስቲ ፌደራልን ኣብ ፒሪቶርያ ዝፈረምዎ ስምምዕነት ናብ ባይታ ወሪዱ ተግባራዊ ኾይኑ ተጠቀምቲ ክኾናን ገበነኛታት ናብ ሕጊ ቀሪቦም ግብኦም ክረክቡ ተስፋ ከምዘለወን ገሊፀን፡፡                        

ብኢየሩሳሌም ገ/መደህን

Previous articleምውፃእ ሰራዊት ኢሳያስ ንውፅኢታዊ ዘተ ሰላም
Next articleትሕዝቶን ኣተገባብራን ሰነድ ስምምዕነት ዘተ ብዝምልከት፣ መግለፂ ቅዋም መንግስቲ ትግራይ ሰነድ ስምምዕነት ዘተ፥ ህልውና ትግራይን ረብሓ ህዝቢ ትግራይን፣ ብዘረጋግፅ ንተግባራዊነቱ ብፅንዓት ንቃለስ!