Home ዜና “ፍትሓዊ ዕላማ ክሳብ ዝሓዝና ዋሕስ ህልውና ትግራይን ህዝባን ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና መስተንክራዊ...

“ፍትሓዊ ዕላማ ክሳብ ዝሓዝና ዋሕስ ህልውና ትግራይን ህዝባን ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና መስተንክራዊ ጅግንነቱ ኣጠናኺሩ ክሳብ ዝቐፀለን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዝግሃደሉ እዋን ርሑቕ ኣይኸውንን።”ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ

1106
0

ሰሙናዊ መልእኽቲ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
ህዝባዊ መኸተና ብዓወት ንምዝዛም ብፅንዓት ንረባረብ!!
ህዝቢ ትግራይ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ ቆሪፆም ዝተልዓሉ ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ንስምምዕ ተፃብኦ ደው ምባል ብትዕቢት ጥሒሶም ካብ 18 ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሮም ብኩሎም ኣንፈታት ትግራይ ከም ብሓዲስ ብዝወለዕዎ ወራር ናብ ደማዊ ኩናት ክንኣቱ ተገዲድና ኢና።

እዞም ፀላእቲ ቅድሚ ዓመታት ዝጀመርዎ ወፍሪ ጀኖሳይድ ንምምላእ “የኽእለና እዩ” ዝበሉዎ ኩሉ ዓይነት ምድላው ገይሮም ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝባን ኩሉ ዓይነት ጥፍኣት ንምፍፃም እንተወፈሩ እውን ግን ሳላ መስተንክራዊ ጅግንነትን ሓፂናዊ ፅንዓትን ሰራዊትና እናተመከቱ እዮም።

ንፃውዒት ሰላም ህዝብን መንግስትን ትግራይ ተሓሲሞም ህዝቢ ትግራይ መሊኦም ንምጥፋእ ዝሓንፀፅዎ ፕሮጀክት ጥፍኣት ንምትግባር ኣብ ዝወለዕዎ ኩለመዳያዊ ጀኖሳይዳዊ ወራር ኣሎ ዝበልዎ ዓቐምን ሃብትን ኢትዮጵያን ኤርትራን ሙሉእ ብሙሉእ እናተጠቐሙ ይርከቡ። ይኹን እምበር ሳላ እቲ ንህልውናን ክብርን ህዝቡ ኩቡር መስዋቲ እናኸፈለ ንፀላእቱ በቢዝመፅእዎ እናቐሽመደ ክሳራ ኣብ ልዕሊ ክሳራ ዘሰክሞም ዘሎ ጅግና ሰራዊትና ዝሓሰቡዎ ጥፍኣት ከይሰምር ብዝገርም ፅንዓት እናመከቶም ይርከብ።

እዞም ልፍንታውያን ወረርቲ ሓይልታት ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ከተማታት ትግራይ ብድሮን፣ ነፈርቲ ውግእን መዳፍዕን ብተደጋጋሚ ብምድብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ብኣልማሚት እናጨፍጨፉ እዮም። በዚ ክሕደት ዝተመልኦ ጨፍጫፍ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ሽማግለታትን ትግራይ ግዳይ መስዋእትን መቑሰልትን ይኾኑ ኣለዉ።
ኣብ ልዕሊ ንብረትን መሰረት ልምዓትን እውን ብዙሕ ዕንወት የብፅሑ ኣለዉ። ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግን በዚ ግፍዓዊ ጨፍጫፍ ዝያዳ ክንሕርንን ፀላእትና መሊእና ንክንድምስስ ብዝበለፀ ክንፀንዕን እምበር ብከምዚ ዝበሉ ፋሽስታዊ ተግባራት ኣይንስኮንን!
ህዝባዊ መኸተና ብምዕዋት ህልውና ትግራይን ህዝባን ሙሉእ ብሙሉእ ውሑስ ንምግባር ጅግና ሰራዊትና ንዘካይዶ ዘሎ መስተንክራዊ ቅያን ህዝብና ንዝገብሮ ዘሎ “እዚ ጎዲሉዎ” ዘይብሃል ኩለመዳያዊ ሙሉእ ተሳትፎን መንግስቲ ትግራይ ዘለዎ ክብርን ናእዳን ይገልፅ።

ሕዚ እውን ንህልውናና ክንብል ተገዲድና ዝኣተናዮ ኩናት ብዘተኣማምን ዓወት ንክንዛዝም ኩሎም ዓቕምታትና ኣዋዲድናን ሓድነትና ኣስጢምናን ንክንረባረብ መንግስቲ ትግራይ ፃውዒቱ የቕርብ።

ስለዝኾነ ዕድመኡ ንምግዳል ዝበፅሐ መንእሰይ ትግራይ ናብ ምግዳል ክወርድን መስርዕ ጀጋኑ ብምምላእ ኣብዚ ታሪካዊ ምዕራፍ ቃልስና ካብኡ ዘድሊ ግቡኡ ብምዋፃእ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩለመዳያዊ ጥፍኣት ብፅንዓት ክምክትን ይግባእ። ኣብ ውሽጥን ኣብ ወፃእን ዘለኻ ዓምዲ መኸትና ዝኾንካ ህዝቢ ትግራይ እውን ዝጀመርካዮ ናይ ህልውና ቃልሲ ብዓወት ብምዝዛም መሰል ዓርሰ ውሳነ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝረጋገፅ ፅንዓትካን ተሳትፎኻን ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ቀፂል።

ፍትሓዊ ዕላማ ክሳብ ዝሓዝና፣ ኣብ ህዝባዊ መትከላትና ሙሉእ እምነት ጨቢጥና ብፅንዓት ክሳብ ዝተቓለስና፣ ደጀንን ግንባርን ተዋዲድናን ተናቢብናን ካባና ዘድሊ ኩሉ ዓይነት ቃልሲ ክሳብ ዘካየድና፣ ዋሕስ ህልውና ትግራይን ህዝባን ዝኾነ ሓየት ሰራዊትና መስተንክራዊ ጅግንነቱ ኣጠናኺሩ ክሳብ ዝቐፀለን ካብ ደጀን እውን ቃልስና ንምዕዋት ዘድልዩ ስራሕቲ ብእዋኑ ክሳዕ ዝተማልአን ዓወት ህዝቢ ትግራይ ዝግሃደሉ እዋን ርሑቕ ከምዘይከውን እምነት ህዝብን መንግስትን ትግራይ ልዑል እዩ።
ሃለዋትናን ድሕንነትናን ብቕልፅምና!!
ትግራይ ትስዕር!!
ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ
13 መስከረም 2015 ዓ/ም
መቐለ

Previous article“ንስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክበሃል ናብ ዘይኣመናሉን ዘይምልከተናን ኲናት ተገፊፍና ኣቲና።”ኣብ ግንባር ኣድያቦ ዝተማረኹ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ
Next articleጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ደብዳብ ድሮን ኣብ ልዕሊ ተሽከርካሪት ትካል ምግቢ ዓለም(WFP) ኣካይዱ