Home ዜና ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትርያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ...

ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትርያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ተረኺቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ኩሉ ብዕቱብ ክሕልዎ ፀዊዖም።

754
0

ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ ክርስትርያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ተረኺቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ኩሉ ብዕቱብ ክሕልዎ ፀዊዖም።

ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ከተማ መቐለ ካቴድራል ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምፍናው ኣስከሬን ሊቀ ጳጳስ ብፁእ ኣቡነ ዮሃንስ ተረኺቦም ቡራኬ ሂቦም።
እቶም ፓትሪያሪክ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ ፀልማት ዝነበርካ ህዝቢ ትግራይ ጭላንጭል ሰላም ንምርኣይ እንኳዕ ኣብቐዐካ ድሕሪ ምባል ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ ተሃቂንዎ ዋላ እኳ እነተነበረ ብሓይሊ እግዚኣብሄር ከምዝተመከተ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ድሕሪ ክልተ ኣብ ከቢድ ፀልማት ዓመታት ካብ ሓደጋ ምጥፋእ ጭላንጭል ሰላም ንምርኣይ እንኳዕ ኣብፀሐካ ድሕሪ ምባል ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ኩሉ ብዕቱብ ክሕልዎ ናይ ኣቦነት ምኽሪ ኣመሓላሊፎም።

Previous articleኮንፈረንስ ምጥያሽ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ
Next articleተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ጉዳይ ትግራይ