Home ዜና ፖለቲካዊ ቁርቁስ ሱዳንን ኢትዮጵያን

ፖለቲካዊ ቁርቁስ ሱዳንን ኢትዮጵያን

835
0

—–

#ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዝማረኸቶም ወትሃደራት #ሱዳን ዝፈፀመቶ ዘስካሕክሕ መርሸንቲ መንግስቲ ሱዳን ኮኒንዎ፡፡

ማዕኸን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዘቃለዖ ሓበሬታ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ማሪኾም ኣብ ልዕሊ ዝሓዝዎም ሸውዓተ ወትሃደራት ሱዳንን ካልኦትን ዝፈፀምዎ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ መርሸንቲ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳን ብወግዒ ከምዝኮነኖ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ብሰንበት ዝወፀ መግለፂ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ነቲ ዝፈፀምዎ ባርባራዊ መርሸንቲ ናብ ህዝቢ ክቃላዕ ምግባሮም ድማ ኣዝዩ ከምዝተቆጠዐ ዝገለፀ ሓይሊ ምክልኻል ሱዳን እዚ ከዳዕ ተግባር ብዘይ ግብረ መልሲ ክሓልፍ ማለት ዘበት እዩ ብምባል ተመጣጣኒ ስጉምቲ ከምዝወስድ ድማ ተሓንዩ፡፡

ማዕኸን ዜና ኣልጀዚራ ኣብዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ካብ ሰበ-ስልጣናት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዘለዎም ርእይቶ ክቕበል ፃዕሪ እኳ እንተገበረ ዝረከቦ ግብረ መልሲ ከምዘየለ ኣገንዚቡ፡፡

ኢትዮጵያን ሱዳንን ብሰንኪ ስቡሕ መሬት #ኣልፋሽጋ ብተደጋጋሚ ናብ ጎንፂ ዝኣተዋ ኮይነን ወትሃደራት ሱዳን ብዝወሰድዎ ሃንደበታዊ መጥቓዕቲ ልዕሊ 70 ኪሎ ሜትር ዝሽፍን መሬት ኣብ ትሕቲ ሕዛእቶም ኣእትዮም ይርከቡ፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleናህሪ ዋጋን ስግኣት ዓለምን
Next article