Home ዜና እዚ ዕለት ኣብ ታሪኽ – ዓወት ኲናት ዓድዋ

እዚ ዕለት ኣብ ታሪኽ – ዓወት ኲናት ዓድዋ

430

23 ለካቲት 1888 ዓ.ም. ዕለተ ሰንበት ንትግራይ ኢሉ እውን ንመላእ ኢትዮጵያ ዜና ዓወት ዘበሰረት ንፋሽሽት ጣልያን ድማ መርድእ ስዕረት ዝነገረት እዛ ታሪኻዊት ዕለት እያ። እዛ ዕለት ኣብ መዝገብ ታሪኽ ዓለም ካብ ዝተቐመጡ ታሪኻት ትግራይ ሓንቲ እያ። ኣብ ዶግዓሊ፣ ጉንደትን ሰሓጢን ብተጋሩ ናይ ዝተመዝገቡ ዓወታት መዛዘሚ ከም ዝኾነ እውን ኣብ ማህደር ታሪክ ተመዝጊቡ ይርከብ።

ኢትዮጵያ ኣንፃር ጣልያን ወሳኒ ዓወት ዘመዝገበትሉ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ጣልያን ከይትኣቱ ዝገበረ።ነፃነት ኢትዮጵያ ክዕቀብ ዝገበረ ትምክሕቲ ፃዓዱ ብፍላይ ድማ ጣልያን ዝሰዓረ ዓወት እዩ።

መንቀሊ ኲናት ዓድዋ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ዘመን ሃገራት ኣውሮፖ “ምክፍፋል ኣፍሪካ” ዝብል መትከል ሒዞም ተዋፊሮም ኔሮም። ኣህጉር ኣፍሪካ ናብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምእታው።ግዝኣታ ክተስፍሕ ትደሊ ጥልያን ድማ ኣብ ኤርትራ ህላወኣ ኣጣይሻ ኢትዮጵያ ክትቆፃፀር ድሌት ኔሩዋ። ነዚ ክትገብር ድማ ቡዙሕ ፈተናታት ገይራ ኣይሰመረን ።ካብቶም ፈተነታት ሓደ ድማ ውዕል ውጫሌ እዩ።ኣብ መንጎ ጣልያንን ሃፀይ ሚሊሊኽን ዝተገበረ ውዕል ወሸጫሌ ብጣልያንኛን ኣምሓርኛን ዝተፅሓፈ ነይሩ።

ዝተፈላለዩ ትርጉማት ቋንቋ ጥልያንን ኣምሓርኛን ጣልያናውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ መከላኸሊ ከም ዝህቦም ኣሚኖም ብውዕሊ ዉጫሌ ኣቢሎም ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ንምግባር ዝገበርወ ፈተነ በቲ ንጉስ ተቐባልነት ኣይረኸበን።

ኣብ እዋን ኩናት ዓድዋ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ጣልያንን ብዕጥቂን ስንቂን ዘይመጣጠኑ ኔይሮም። ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላለያ ዞባታትን ብሄራትን ዝተወስደ ሰራዊት እዩ ነይሩ።ዘመናዊ ሽጉጥን ባህላዊ ኣፅዋርን ዝተሓዋወሰ ዕጥቂ ኔሩዎ።ሰራዊት ጣልያን ድማ እቲ ሓደ ብጀነራል ባራተሪ ዝእዘዝ ሰራዊት ጣልያንን ካሊእ ድማ ብወተሃደራት ጣልያንን ኤርትያዊ ኣሰካሪን (ካብ ኤርትራ ዝተመልመለ ናይ ከባቢ ሰራዊት (ሽዑ መግዛእቲ ጥልያን) ዝሓቖፈ እዩ ነይሩ። ዘመናዊ መዳፍዕን ጠበንጃን ዝዓጠቐ ኔሩ።

ብመዳይ ስንቂ ድማ መሰረት ዓወት ኩናት ዓድዋ ህዝቢ ትግራይ እዩ። እቲ ኩናት ንክዕወት ኣብ ቅድመ፣ እዋንን ድሕረን ኲናት ሃፍተ – ገነቱ ብዕጥቂን ስንቂን ኣቅሪቡ። እቲ ሰራዊት ዝተውሃቦ ልኡኽ ብዓወት ክኽንበትን ክኢሉ እዩ። በዚ ምኽንያት እውን ህዝቢ ድሕሪ እቲ ዓወት ብቁጠባ ክጉዳእ ኺኡሉ እዩ።

ንዓወት ኲናት ዓድዋ ግደ ህዝቢ ትግራይን ራእሲታት ትግራይን ልዑል ንጣልያን ናቱ ወገን ከምዝኾንካ ኣምሲልካ ንህዝብኻ ምውጋን ብመዳይ ዓውዲ ስለላ ባሻይ ኣውዓሎም እውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይነበረን።ወታደራዊ መሪሕነት ጀነራል ራእሲ ኣሉላ ድማ ፀብለልታ ኔሩዎ።

ጌጋ ስሌት ሰራዊትን ኣመራርሓን ፋሽሽት ጣልያን እውን ነቲ ዓወት ሓጋዚ ከምዝኾነ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ።ጀነራል ባራቲየሪ ንዓቐንን ሓይልን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣቃሊሉ ሓይልታቱ ምምቃልን ናብ ከቢድ መሬት ምግስጋስን ሓዊሱ ስትራተጂካዊ ጌጋታት ፈጢሩ እዩ።

ብኣንፃሩ ራእሲታት ትግራይ ድማ ብውሕልነት ሰራዊት ኣሰሊፎም። ሓይልታቶም ነቶም ዝተመቓቐሉ ዓምድታት ጥልያን ብድብያ ኣዳለዎምን ልዕል ኣበልዎምን። ኣብቲ ዝተኣማመኑሉ ቦታ ምስበፅሓ ድማ መጥቃዕቲ ጀሚሮም እቲ ዝደልዩዎ ዓወታት እውን ኣመዝጊቦም። ኣብ ልዕሊ ጣልያናውያን ከቢድ ክሳራ ብምፍፃም ብዙሕ መሳርሒታት እውን ኣቃፂሎም።ዓወት ኲናት ዓድዋ ነፃነት ኢትዮጵያ ዘረጋገፀ፤ ወራርን ጣልያን ድማ ዝመከተ ታሪኽ እዩ።

ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝኣት ብሕታዊት ኣፍሪካዊት ሃገር ክትኸውን ድማ ጌሩዋ።እቲ ዓወት ንሃገራዊ ትምክሕቲ ኢትዮጵያ ኣዕብዩን ንስልጣን ዳግማዊ ሚኒሊክ ድማ ኣደልዲሉ።

ዓወት ኩናት ዓድዋ ምልክት ፓን ኣፍሪካኒዝም ኮይኑ ። ዓድዋ ድማ ምልክትን በሪን ነፃነት ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ኮይና።ኣብ መላእ ኣፍሪካ ድማ ቃልሲ ፀረ-መግዛእታዊ ምንቅስቓሳት ክውላዕ ምኽንያት ኮይኑ እዩ። ንጣልያን ውርደት ዝጎልበበ ዓወት ኩናት ዓድዋ ኣብ ዓዲ ጣልያን እውን በሰላ ፈጢሩ እዩ። ውድቀት መንግስቲ ጣልያን ድማ ኣኸቲሉ ። ኣብ መንጎ ጣልያንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ተኸቲሙ ዝነበረን መንቀሊ ፅልኢ ሃፀይ ሚሊሊክን ጣልያን ከምዝኾነ ዝንገረሉን ውዕል ወጫሌ ክፈርስ ጌሩ እዩ።ነዚ ስዒቡ ድማ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ብግልፂ ኣፍልጦ ረኺቡ።ኢትዮጵያ ከም ሉኣላዊት ህዝቢ ዝዓበየ ኣህጉራዊ ኣፍልጦ ረኺባ።

ነዚ ስዒቡ እውን ዓወት ዓድዋ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ሃገራዊ ዓመታዊ በዓል ምኽባር ተጀሚሩ።መሰረት ሓድነት ኢትዮጵያ፣ ወተሃደራዊ ብቕዓትን ንነፃነት ዝኽፈል ቆራፅነትን ከም ምስክር ኮይኑ ድማ ይዝከር።ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣፍሪካውያን ከም ምልክት ተቓውሞን ርእሰ-ውሳነን ምልዕዓል ኮይኑ እውን ይቕፅል ኣሎ።

ዓወት ኲናት ዓድዋ ከም ታሪኻዊ ፍፃመ ጥራይ ኣይቑፀርን ከም ምልክት ኣፍሪካዊ ትካል፣ ተቓውሞን ንናይ ገዛእ ርእስኻ ዕጫ ንምቑፃር ዝግበር ቆራፅነትን እዩ። ኣገዳሲ ኣካል ሃገራዊ መንነት ኢትዮጵያ ኮይኑ ይቕፅልን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ፍልፍል ምትብባዕ ከምዝኾነ እውን ኣብ መዛግብቲ ታሪኽ ተሰኒዱ ይርከብ።

ይኹን ዳኣእምበር ታሪኹ ካብ ምዝማር ዝዘለለ ዝተገበረሉ ዓሸራ ልምዓት የለን። ማእኸል ተመክሮን ፍልጠትን ክኸውን ይግበኦ ኔሩ።ተፈጥራዊን ታሪኻዊን ቦታት ዓድዋ መውዓሊ መሕደሪ ሃዋፅያን ክኾኑ ይግባእ ኔሩ። ኣይኮነን ። ሓዚ እውን ናብ ረብሓ ክውዕል ይግባእ መልእኽትና እዩ ።ሎሚ ዓመት እውን ብዝተፋላለዩ ምድላዋት መበል 129 ዓመት ኣብ ከተማ ዓድዋ ይኽበር ኣሎ።

ብሰለሙን_በርሀን