Home ዜና 2ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)

2ይ ወራር ዘርኢ ምጥፋእ (ጀኖሳይድ ትግራይ)

1363
0

ዜና መዋእል ንጉስ ኢዛና ከም ዝሕብሮ ብ 330 ዓ/ም እምነት ክርስትና መንግስታዊ ሃይማኖት ኮይኑ ኣብ ኣኽሱም ኣብ ዝኣተወሉ ግዜ ኣብ ትሕቲ ንግስነት ኣኽሱም ኣብ ዝመሓደራ ዓጋመ፣ ዓድዋ፣ ኣገው፣ ሰሜን፣ ኣኽሱም፣ ወልቃይት፣ ዳሞ፣ ሓማሴንን ብስም ዝፍለጡ መራሕትን ካብ መንግስትነት ኣኹሱም ዝተሾሙ ከምዝነበሩ፤ እምነት ክርስትና ኣብተን ግዝኣታት ክምለኽ ከምዝጀመረን ታደሰ ተኣምራት መንግስትን ቤተ-ክርስትያንን ኣብ ዝተብሃለ መፅሓፉ ኣመላኺቱ እዩ፡፡

ትግራይ ብተንኮል ሽዋውያን ካብ ማእኸልነት ፖለቲካን እምነትን ተገሊላ፤ መንበረ ጵጵስና ካብ ኣቡነ ሰላማ ናብ ኣባ ተክለሃይማኖት ተለወጠ፡፡ ነባር ምሕደራ ኑብረኢድ ትግራይ ትርጉም ስኢኑ ስርዓተ ንግስናን ጵጵስናን ካብ ሽዋ ብዝፈስስ ምሕደራ ክምራሕ ተገዲዱ፡፡ ኣባ እስጢፋኖስን ሰዓብቶምን ስርዓተ ቤተ-ክርስትያንን ስርዓተ ንግስናን ብግልፂ ክፈላለዩ፤ ክብሪታት ደቂ ሰባት ካብ ዘርኣዊ መበቆሎምን ዘለዎም ስልጣንን ዘይኮነስ ብኣምሳለ እግዚኣብሄር ዝተፈጠሩ ኩሎም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ማዕረ ምዃኖም ኣትሪሮም ተቓሊሶም፡፡ ብኣባ እስጢፋኖስ ዝምራሕ ቃልሲ ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ብተወሳኺ ኣብ መበቆልን መሰረታዊ እምነታትን ትግራይ ሓቚፉ ክካየድን ነዊሕ ዘመናት ዝፀንሐን ቃልሲ እዩ፡፡

ኣብ’ዚ ንወለዶታት ዝቐፀለ ቃልሲ ትግራይን ሽዋን፤ ብሰንኪ ኲናት ኣሕመድ ግራኝ  ሰዓራይን ተስዓራይን ከይተፈለዩ ኣንፃር ሓበራዊ ፀላኢና ዝብልዎ ሃይማኖታዊ ኲናት ተሰሊፎም፡፡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከምዙይ ዓይነት ነዊሕ ታሪኽ ካብ ማእኸልነት ፖለቲካ ተገሊሉ፡፡ ብኣንፃሩ መኖኮሳትን ሃፀያትን ሽዋ መንነት ሓሶት እናደርደሩ፤ ብፅሑፍን ተዋስኦን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ከይተረፈ ብምዝባዕ እዙይ ዝበሃል ማእኸል መንግስትነት ከይመስረተ ን 300 ዓማውቲ ፀኒሑ፡፡ ብዘይካ ሓገዝ ትግራይ እዚ ዝበሃል ወታደራዊ ብቕዓት ዘይነበሮ ሃፀያዊ ሓይሊ ሽዋ፤ ብደቡብ ክፍሊ ዝመፆ ሓይሊ ኦሮሞ ክፃወሮ ብዘይምኽኣሉ ፈለግ ኣባይ ተሳጊሩ ኣብ ደንቢያ ሓዱሽ ቤተ-መንግስቲ ክምስርት ተገዲዱ፡፡

ኲናት ኢማም ኣሕመድ ኢብራሂም  /1506-1543 ዓ/ም/ ከምኡ ድማ ምስፍሕፋሕ ኦሮሞ /1520-1855 ዓ/ም/ ስዒቡ ስትራተጅያዊ መንበሪኡ ገዲፉ ፈለግ ኣባይ ተሰጊሩ ኣብ ደምብያ ሓዱሽ ቤተ-መንግስቲ ዝመስረተ ንግስነት ሽዋ ቀስብቀስ ንግስነት ጎንደር ክፍጠር ኣክኢሉ፡፡ ንምስረታ ንግስነት ጎንደር ምስፍሕፋሕ ሓይሊ ኦሮሞን ውግእ መሓመድ ግራኝን ጥራይ ምኽንያት ኣይነበረን፡፡ የግዳስ ንሞት ሃፀይ ሚናስ 1563 ዓ/ም ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ብዝተፈጠረ ህልኽን እቲ ብኣዋስጣጢዎሳውያንን ሰዓብቲ ተክለሃይማኖትን /ኣባቴክሌን/ ዝነበረ  ወጥረት ከም ብሓዱሽ ስለዝተልዓለን እውን እዩ፡፡

ምኽንያቱ ደቂ ትግራይ ንነዊሕ እዋን ዘማዕበልዎ ምሕደራዊ ልምዲ ተጠቒሞም ናብ ቤተ-መንግስቲ ሃፀይ ሚናስ ኣትዮም፡፡ ነዚ ድማ ወዲ ሃፀይ ሚናስ ዝኾነ ሰርፀ ድንግል /1563-1597/ ኣብ 13 ዓመቱ መለክ ሰገድ ብዝብል ቅብኣ ንግስና ኣብ ከተማ ኣኹሱም ብምንጋስ ካብ ጫፍ ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ዋቢሸሌን እናርያን ተኸፋፊሉ ዝፀንሐ ሸዋዊ ኣታሓሳስባን መስፍንነትን ኣብ መሓውሩ ጠሚርዎም፡፡ ካብ ወደብ ዳህላክ ክሳብ መዘጋ ኣብ ዝነበሩ ከባቢታት ሕርጊጎ፣ ሓማሴን፣ ሰራዬ፣ ድባርዋ፣ ኣክለጉዛይን ደጉዓታት ትግራይን ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱርኪ ብምምካንን ነቲ ቀዲሙ ተጀሚሩ ዝፀንሐ ክርስትያናዊ ፍልልይ ክፀብብ ብምግባር ንምድረ ኣቢስንያ ሰላምን ሰነያን ክዓስል ገበረ፡፡

ንኸባቢ 300 ዓመታት እዙይ ዝበሃል ቤተ-መንግስቲ ከይሃነፀ ዝፀንሐ ንግስነት ሽዋ፤ ፀቕጢ ኦሮሞቶት ክፃወሮ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ንግስነት ሰርፀ ድንግል ዝተጀመረ ሓዱሽ ቤተ- መንግስቲ ደንቢያ በሃጎ፡፡ ሃንደበታዊ ሞት ሰርፀድንግል ስዒቡ ዝተፈጠረ ዓሰርተታት ዓመታት ዝወሰደ ንሕንሕ ስልጣን ንምቁፅፃር፤ ብኦሮሞቶት ተማሪኹ ብስርዓት ሞጋሳ ዝዓበየ ሰሲንዮስ ብኦሮሞቶት ተሓጊዙ ብ1624 ዓ/ም ስልጣን ጨበጠ፤ እንተኾነ ግን ሓዱሽ እምነት ሲሲንዮስ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝፀንሐ ነባር ሃይማኖት ዝጠዓዓም ብዘይምዃኑ ቅሉዕ ውግእ ከፈትሉ፡፡ ምኽንያቱ ስልጣን ካብ ኢድ ትግራይ ካብ ዝወፅእ ጀሚሩ ክስረሐሉ ዝፀንሐ ስርዓት ምሕደራ ዓርሶም ክኢሎም ክመርሑ ዝገብር ብምዃኑ ንስርዓት ሲሲንዮስ ኣይተንበርከኹን፡፡

ከምኣባሃህላ ደፍተራ ፍስሃ ግዮርግስ ኣብየዝጊ “ስልጣን ኣብ ኢድ ኣምሓራ ምውዳቑ ስዒቡ ሰየምቲ ትግራይ ንናይ ባዕሎም ምምሕዳራት መስሪቶም፡፡” ደግዝማቲ ሱባጋድስ፤ ድሕሪ ራእሲ ወልደስለሴ ምምሕዳር ትግራይ “ትግረ መኮነን” ኮኑ፡፡ ዕድመ ስልጣን ደገዝማቲ ሱባጋድስ 9 ዓመታት ጥራይ እኳ እንተነበረ፤ ሰናይ ዘበን ምንባሩ ህይወት ታሪኾም የማላኽት፡፡ ደገዝማቲ ሱባጋድስ ነቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝፀንሐ በይናዊ ምሕደራ ናይ መወዳእታ መስፍን ኮይኖም ሓሊፎም፡፡ መራሕቲ በይናዊ ምሕደራ ትግራይ ኑብረኢድ ወይ ድማ “ትግረ መኮነን” እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጠቅላሊ ትግራይ ኮይኑ፤ በቢከባቢኡ ዝነበሩ መሳፍንቲ ትግራይ ክፈትሕዎ ዘይካኣሉ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ዕልባት ዝህብን፤ ካብኡ ንላዕሊ ማለት እውን ፍርዲ ሞት እንተኾይኑ ጥራይ ናብ ጎንደር ዝበፅሕ ምንባሩ ታሪኽ ይዝንቱ ፡፡

ኣብ ዘበነ ንግስነት እቴጌ ምንትዋብ፤ ቤተ-መንግስቲ ጎንደር ትሕቲ ራእሲ ወለደስላሴ ግብሪ ይእክብ ምንባሩን፤ ጠቕላላ ሃፍቲ እታ ሃገር እውን ትሕቲ ትግራይ መንባራ ይፍለጥ፡፡ ቤተ-መንግስቲ ጎንደር እናዳኸመ፣ ትግራይን ምድረ ባሕርን እናሓየለ ምኻዱ ዘይተውሓጠሎም ናይቲ እዋን ገዛእቲ ጎንደር ግና ምስ ኦሮሞን ካልኦት ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ መሳፍነትን እናኣከቡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲናት ይኸፍቱ ኔሮም፡፡ ንኣብነት ራእሲ ሚካኤል ስሑል ኣብ ዝነበርሉ እዋን ጎንደረታት እሽንኳይ ናብ ትግራይ ተሳጊሮም ውግእ ክገጥሙ፤ ንትግራይ ቁሊሕ ኢሎም ዝርእይሉን ዝጥምትሉን ዓቕሚ እውን ኣይነበሮምን፡፡

ደገዝማቲ ስባጋድስ ኣብ ትግራይ ብሉፅ ዲፕሎማሰኛን ወታደራዊ መራሒን ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ፤ ኣብ ዘመነ ስልጣኖም ትግራይ ዝሓሸ ሰላምን እቶትን ከምዝነበራ ሰነዳት ትግራይ የማላኽቱ፡፡ ሃፍትን መንነትን ትግራይ ንምውራስ ልዑል ፃዕሪ ክገብሩ ዝፀንሑ መሳፍንቲ ጎንደር፤ ትግራይ ክስዕርሉ ዝኽእሉ ሻጥራት ክፍሕሱ ጀመሩ፡፡ ገዛኢ ሰሜን ዝነበሩ ደገዝማቲ ውቤ፤ ምስ ገዛኢ ዮጁ ዝኾኑ ራእሲ ማርዬ ዝገበርዎ ምትሕብባር ከም ኣብነት ይጥቀስ፡፡ ደገዝማቲ ሱባጋድስ ሓይሊ ግዝኣቶም ካብ ንደቡብ ናብ ቀይሕ ባሕሪ ዘዘንበለ ብምንባሩ ምስ ካልኦት ሓይልታት ደቡብ ሽርክና ኣይነበሮን፡፡ እዚ ሓቂ ዝተበለፀ ደገዝማቲ ውቤ፤ ንፈረሰኛታት ራእሲ ማርዬ ተጠቒሙ ኣንፃር መሳፍንቲ ትግራይ ኲናት ኣዊጁ፡፡ ትግራይ ካብ ሓደጋ ሓይሊ ኣምሓራ ንምክልኻል ናብ ማይፀብሪ ዘምርሑ ደገዝማቲ ስባጋድስ ብበዝሒ ዘራያት ሰራዊት ማርዬን ውቤን ከምኡ ድማ ፈረሰኛታት ኦሮሞ ክሰዓር ከኣሉ፡፡ ስዕረት ደገዝማቲ ስባጋድስ፣ ስዕረት ትግራይን ምድሪ-ባሕርን ከምኡ ድማ መጀመሪ ካልኣይ ዙር ጀኖሳይድ ትግራይ ኮነ፡፡

ካልኣይ ጀኖሳይድ ትግራይ ብላዕለዋይነት ብደገዝማቲ ውቤ ዝምራሕ ኮይኑ ጎንደረቶት ንዘመናት ክምነይዎ ዝፀንሑ ዕድል ዝፈፀምሉ ኣረሜናዊ ተግባር እዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ሰብ ክግምቶ ዘይኽእል ግፍዒ ድማ ከውረዱ ጀሚሮም፡፡ መጥቃዕቲ ጎንደረቶት ሃይማኖትን ፆታን ከምኡ ድማ ዕድመን ስነ-ልቦናን ዘይፈሊ ነይሩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንምስኳንን ዳግማይ ርእሱ ከየቕንዕ ብምግባር ክዳኸምን መንነቱ ክልውጥን ዘኽእሉ ኩሎም ዓይነታት ገበናት ተፈፂምዎ፡፡

ኩሳታትን ተጠመትቲ ሰባትን ምጥፋእ ፈላማይ ስጉምቲ ደገዝማቲ ውቤ ኮይኑ፡፡ እዙይ ምስ’ቲ ብ2013 ዓ.ም ወራር ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ስዒቡ ገበቲ ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ትግራይ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ተመሳሳልነት ኣለዎ፡፡ ወራር ውቤ ኣብ ልዕሊ ተጠመትቲን ምሁራንን ትግራይ ዘነፃፀረሉ ምኽንያት፤ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ደቂ ትግራይ እንድሕር ጠፊኦም እቲ ካልእ ህዝቢ ናብቲ ንሱ ዘደልዮ ኣተሓሳስባ ክመፅእ ይኽእል እዩ ዝብል እምነት ስለዝነበረ እዩ፡፡ ብምዃኑ ድማ ኣብ ከባቢታት ኣሕሳኣ፣ ጉንደት፣ ዓዴት፣ እንባስነይቲ፣ ሓማሴንን ኣክለጉዛይን ዝነበሩ ኩስታት /ሃፋትም/ ትግራይ ኣድክየምዎም፡፡ ሃፋትም ትግራይ ካብ ምድኻም ብተወሳኺ ንመጀመሪያ እዋን ፈሰስ ዝበሃል ዕዳ ብምትእትታው ኣብ ሕድሕድ ገባር ትግራይ ክፍፀም ኣወጀ፡፡

ትግራይ ንምግዛእ መንነት ትግራይ ክጠፍእ ኣለዎ ዝብል ቅዋም ዝነበሮ ውቤ፤ ካልእ ተሪፉ ኣብ ትግራይ ዝተለመዱ መፀውዒ ስማት ናብ ኣምሓርኛ ክቕይርዎ ጀሚሩ፡፡ ሽመትን ሓላፍነትን እውን ካብ ልሙድ ኣሰራርሓን ስያመን ተላቒቑ ብኣምሓርኛ ለወጦ፡፡ መፀውዒ ዝበለፀ ሃፍታም ትግራይ ዝነበረ ኩሳ ዝብል ስያሜ ከምኡ ድማ ራአሲ ኩሳታት ዝኾነ ኑብረኢድ “ትግረ መኮነን” ብኣምሓርኛ ተለዊጦም፡፡ ብምዃኑ ድማ ራእሲ፣ “ደገዝማቲ፣ ቀኝኣዝማቲ” ተባሂሉ ክፅዋዕ ዝገበሩ ኮይኖም፤ ህንደኬ ብምባል ዝፍለጥ ዝነበረ ስም በዓላልቲ ንጉስ ”እቴጌ” ተባሂሉ ክፅዋዕ ገይሩ፡፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኦርቶዶክስ እውን “መሪጌታ፣ ቀኝጌታን ግራጌታን” ዝኣምሰሉ ስያመታት ንውቤ ስዒቦም ዝመፁ ምዃኖም ድርሳናት ታሪኽ የማላኽቱ፡፡

ኣብ ትግራይ ክብድ ዝበለ ማሕላ ንምእታው ”ሰማይ ሃገረይ”፣ ስጋ እከለ ወይ እከለ ይሙት ዝብል ዝነበረ ንወራር ደገዝማቲ ውቤ ስዒቡ ድማ ”ራእሲ ይሙት ወይ ብዝባን ራእሲ” ዝብል ማሕላን ምሕፅንታን ክምዕብል ጀሚሩ፡፡ ወራር ውቤ ኣብ ኣደባባያት ዝፍለጡን ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ስያመታት ጥራይ ኣይኮነን፡፡ የግዳስ ኣብ ሕድሕድ ስድራ ኣትዮም መንነት ትግራይ ንምልዋጥ ዘኽእሉ ስራሕቲ እውን ክሰርሑ ጀሚሮም፡፡ ንኣብነት ብ”ሽ”ን “ች”ን ዝውድእ ስም ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድሕሪ ደገዝማቲ ውቤ ዝመፀ ልማድ እዩ፡፡

ከም ኣበሃህላ ደፍተራ ፍሰሃ ጊዮርግስ ገረድ ወይ ድማ ውሽምና፣ ሕንክት ኣልቦነትን እውን ክብቶም ውፅኢት ግዝኣት ኣምሓራ ኣብ ትግራይ ምዃኖም ጠቒሶም ኣለዉ፡፡ ወሲኾም ድማ ህዝቢ ትግራይ መንነቱ ስኢኑ ኣምሓራይ ልምድን ቃናን ንክህልዎ ዘይገበሮ ፃዕሪ ኣይነበረን ይብሉ፡፡ ካብ ቤተ-እምነታት ጀሚሩ ክሳብ ጐዶቦታት ትግራይ ብሽም ደገዝማቲ ውቤ ክመሓል፤ ነዚ ክፃብኡ ዝፍትኑ ድማ ኮነ ተባሂሉ ኢዶም ክቑረፁ ወይ ድማ እዝኖም ክፀሙ ይግበር ነበረ፡፡ ኣብ ትግራይ ቋንቋ ኣምሓርኛ ክልመድን ባህሊ ኣምሓራ ኣብ ሕድሕድ ስድራ ትግራይ ንምትእትታውን ድማ “ግብሪ ሞርዑ” ዝበሃል ቅፅዓት ብምትእትታው እቶም መርዑ ተባሂሎም ዝመፁ በለፀኛታት ናብ ሓደ ቤት ኣብ ዝኣትውሉ እዋን እቶም ተጋሩ ሰብ ቤቶም ኢድ ክነስኡ፣ ከይፈተዉ ብኣምሓርኛ ከውግዑ፣ ብኣምሓርኛ ክፃወቱን ክስዕስዑን ይግበር ኔሩ፡፡

“ግብር መርዑ” ብወለድና ደርጐኛ እናተብሃለ ዝፍለጥ ኮይኑ ብዓቀይቶት ከባቢ ተኣዚዞም ወይ ተመሪሖም ኣብ ሓደ ስድራ ንክልተ ሰሙንን ልዕሊኡን ዝሕፀኑ ሰባት ኮይኖም ኣብቲ ገዛ ዝረኸብዎ ኩሉ ዓይነት ውሳነ ዝህቡ እዮም፡፡ ደርጐኛታት ኣብቲ ዝኣተውሉ ገዛ ብዛዕባ ዘሎ ሃፍትን ንብረትን ዝውስኑ ኾይኖም፣ ሰብ ገዛ /ተጋሩ/ ብስም መርዑ ዝመፅዎም ካብ 20-40 ዝኾኑ ሰባት ዝበልዎ ካብ ምቕራብ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ኣይነበሮምን፡፡ ብምዃኑ ድማ ሕረድ ዝበልዎ ምክትን ስብሕትን ይሓርዱ፣ መዓር ይቕርቡ፣ ማይ ይሓውሩ፣ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ድማ ይጥሕና፣ ይስንክታ፣ መንበር መርዑ የፅርያ፣ ክዳውንቲ ይሓፅባ፡፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ክንክን ካብቶም ስድራ ዝኾነ ዓይነት ተቓውሞ እንትቐርቡ በቶም መርዑ ዝወሃብ ቅፅዓት ተፈፃሚ ይኸውን፡፡

ን40 ዓመታት ኸምዙይ ዓይነት ጥቕዓት ክወርዶ ዝፀንሐ ህዝቢ ትግራይ፤ ካብ ዝነበርሉ ሞራላውን ቁጠባውን ልዕልነት እናተሸምረረ ከይዱ፡፡ ንግድን መሓውር ውዳበታትን ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መሪሕነት፤ ካብ ኢድ ተጋሩ ተመንዚዑ ብድሌትን ሰናይ ፍቃድን ኣምሓሩ ዝውሰነሉ ደረጃ በፂሑ፡፡ ደርጎኛታት ናብ ሕድሕድ ገዛ ትግራዋይ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ልዕልነት ኣምሓራይነት ሒዙ ዝጓዓዝ ብምዃኑ ስም ህፃናት ትግራይ ኣምሓራዊ ስያመ ካብ ምቅባእ ብተወሳኺ ንኣካለ መጠን ዝበፅሑ ተባዕትዮን ኣነስትዮን ትግራይ ክሳብ ምውሳብ በፂሖም፡፡ ኣምሓርኛ ዘይኽእል ድሑር ከይበሃል ድማ ብርክት ዝበለ ትግራዋይ ኣምሓርኛ ክዛረብ ዝተገደደሉ ኩነታት ተፈጢሩ፡፡ ኩሳታትን ኩባታትን ትግራይ ከምዘይነበሩ ጠፊኦም፡፡ ኣብ ዘበነ ጐንደር ገበርቲ ሓደግቲ ኮይኖም ዝፀንሑ ደቂ ትግራይ፣ ብዘበን ውቤ ብዝወረዶም ዓፀባን ወፍሪ ዘርኢ ምጥፋእን፣ መንነቶም ክስእኑ፣ ክደኽዩ፣ ገዛውቶም ለቒቖም ፈቆዶ በዓልትን ሽንጥሮታትን ክነብሩ ተገዲዶም፡፡

ብዘርኣያቆብ ተጀሚሩ በታቲንካ ብመንነቶም ክዋረዱ ምግባር ከይዱ፣ ኣብ ዘበን መሓመድ ግራኝ ደው ኢሉ ዝነበረ ወፍሪ፣ ኣብ ዘበነ ውቤ መዕለቢ ረኪቡ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ብመንነቱ ክሓፍርን ክደክን ብምግባር ፖለቲካዊ ፅዕንቶ ኣምሓሩ ዓብሊሉ ክወፅእን፤ ብኣንፃሩ መንንት ትግራይ ቁልቁል ክድፋእን ክኢሉ፡፡ ኣብ እዋን ንግስነት ሃፀይ ዮሃንስ 4 ክሳብ ዝበራበር መንነትን ክብሪን ትግራይ ድከት ኣትዮ፡፡

ብገ/ሄር ሃይሉ

Previous articleሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዕርቡን
Next articleምቁራፅ ግልጋሎት ሕክምና ሆስፒታል ኲሓ