Home ዜና 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመዛበላ ትግራይ

2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ዝተመዛበላ ትግራይ

871
0

—————


ኣብ መላእ ዓለም ሓደ ሚኢቲ ሚልዮን ህዝቢ ዝተፈናቀለ እንትከውን ኣብ ትግራይ ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ይርከብ፡፡

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2021 ዓ/ም/ፈ ብደረጃ ዓለም ሓደ ሚኢቲ ሚልዮን ህዝቢ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከምዝተሰደደን ከምዝተፈናቀለን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ኮሚሽ ኣብ ዘውፅኦ መረዳእታ እዚ ቁፅሪ ተፈናቀልቲ ኣብ ታሪክ ዓለም እቲ ዝበዝሐ ቁፅሪ ከምዝኾነን ካብቲ ዝተመዝገበ ቁፅሪ ስደተኛታትን ተፈናቀልትን ኣብ ትግራይ ልዕሊ 2 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝኾነ ድማ ገሊፁ፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ቀጠና ሳሕል ዝበዝሐ ተፈናቀልቲ ዘመዝገበ እንትኸውን ዲሞክራቲክ ኮንጎ፣ ቻድ፣ ቡርኪናፋሶን ኢትዮጵያን በዝሒ ዜጋታት ዝተፈናቀሉለን ሃገራት ኢሉወን ኣሎ፡፡

ሶርያ፣ ኮሎምብያ፣ ቬንዥዌላን ማይናማርን ድማ ብደረጃ ዓለም በዝሒ ተፈናቀልቲ ዘመዝገባ ሃገራት እየን፡፡ እቲ ልዕሊ ሓደ ሚኢቲ ሚልዮን ዝተፈናቀለ ካብ 161 ሃገራት ዓለም ከምዝኾነ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ፡፡ 23 ድማ በዝሒ ስደተኛታት ዝተቀበላ ሃገራት ዓለም ከምዘለዋ ኣፍሊጡ፡፡

ብጥዑም ኣለሙ

Previous articleሰለማውያን ተወለድቲ ጋምቤላ ተቀቲሎም
Next articleሕሱም ድርቂ ምብራቕ ኣፍሪካ