Home ዜና 2024 ዓመተ ፈረንጂ፦ ዓመተ ኵናት

2024 ዓመተ ፈረንጂ፦ ዓመተ ኵናት

218

መቐለ፥17 ታሕሳስ 2017 (ቴሌቪዥን ትግራይ )

ኣብ መላእ ዓለም ብዝተጓሃሃረ ባርዕ ኵናት ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ ፈረንጂ ቁፅሪ ብሰንኪ ኵናት ዝሞቱ ሰባት ብ 30 ምኢታዊ ወሲኹ።

ኣብ ሞንጎ እስራኤልን ሃማስን ዝተጀመረ ውግእ ተጓሃሂሩ ንሂዝቦላህን ኢራንን እውን ሓዊሱ ንጋዛ ናብ ሓሞኹሽቲ ዝቐየረ ኵናት፣ ኣብ ቀረባ መዓልትታት ካብ ዝሓለፉ እዋናት ዝሓሸ ተስፋ ሰላም ዘለዎ መሲሉ ክረአ ዋላ እንተጀመረ ቁፅሪ ዝበልዖ ሂወት ሰባት ግን ዓብዪ እዩ።

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 35 ሽሕ ፍልስጤማውን ብሰንኪ እዚ ደማዊ ውግእ ክሞቱ ከለው ሓፈሻዊ ቁፅሪ ሞት ክልቲአን ሃገራት 67 ሽሕ ሰጊሩ ኣሎ።

ንልዕሊ 13 ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ውግእ ሶርያ፣ ሂወት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሶርያውያን በሊዑ እዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተረኣየ መቐይሮ ነጥቢ፣ ንውልቀ መላኺ መራሒ እታ ሃገር በሽር ኣልዓሳድ ብምዕላው ኣብ ስደት ንዝርከብ ልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ሶርያ ተስፋ ዝሃበ ዓመት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝግበር ግጥም ሕዚ እውን ተስፋ ሰላም ከይሃበ ኣብ ዝቐፅለሉ ኩነታት እዚ ዓመተ ፈረንጂ ካልእ ብዙሕ ግዳይ ዝተመዝገበሉ ኵናት ኮይኑ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ምብራቕ ዩክሬይን ኣስታት 4500 ስኴር ኪሎሜትር መሬት ክትወርር ከላ ዩክሬይን ብወገን ነዚ መልሲ ዝበለቶ ክፋል ግዝኣት ከስክ ዝኾነ መሬት ሩስያ ምቁፅፃራ ዕላዊ ገይራ እያ። ሂወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዕ ዘሎ ኵናት ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2024 እውን ሂወት ዓሰርተታት ኣሽሓት እንዳበልዐ ናብ ካልእ ዓመት ይሰጋገር ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብዝካየዱ ዘለው ውግኣት፣ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ምውታት 233 ሽሕ ዝሰገረ እንትኸውን በዚ 30 ሚእታዊ ወሰኽ ዘርኣየ ቁፅሪ ምውታት ድማ ሓደ ካብ ሸሞንተ ሰባት ንሓደጋ ጎንፂ ዝተቓልዐ ምዃኑ ዓለም ለኻዊ ትካል ሰነድ ዕጥቃዊ ጎንፅታት ኤሲ ኤል ኢ ዲ (ACLED) የመልክት።

#ህሊና_ኣርኣያ