Home ዜና 3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ሱዳን

3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ሱዳን

1003
0

——

ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ኣፅሊለን ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ንመኸተ ትግራይ ዝውዕል ንዋታዊ ደገፍ ኣበርኪተን፡፡

ህዝቢ ትግራይ ብኩሉ ኩርንዓት ጅሆ ተታሒዙ ሕሱም ናብራ እናሕለፈ ንሕና እነግይፀሉ ምኽንያት የለን ክብላ ድማ ገሊፀን፡፡

ሰራዊት ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ፣ ገበቲ ሓይልታት #ኣምሓራን ዕሱብ ሰራዊት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ተዛርዮም ኣብ ትግራይ ብዝፈፀምዎ ቁሉዕ ወራርን ገበን #ጀኖሳይድን ሰጊአን #ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ካብ ዘፅለላ ብኣሽሓት ዝግመታ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ስልማተይ ንሃገረይ ብምባል ኣብ ነብሰን ንዝነበረ ስልማተን ቀናጢጠን ንመደንፍዒ መኸተ ትግራይ ኣበርኪተን፡፡

ካብተን ብደመኛታት ፀላእቲ ግፍዒ ወሪድወን ኣብቲ መዕቆቢ ኣፅሊለን ካብ ዘለዋ ወ/ሮ ምሕረት ወልደገሪማ ህዝቢ ትግራይ ብክባን ዕፅዋን ተኸርዲኑ ኣብ ሕሱም እናነበረ ኣነ ዘጊፀሉ ምኽንያት የለን ብምባል ንመደንፍዒ መኸተ ትግራይ ዝውዕል 25 ግራም ወርቂ ለጊሰን፡፡

ብዘይ ትግራይ ኩሉ የለን፣ ትግራይ ኣብ ዘይብሉ ስልማት ንዓይ ትርጉም የብሉን ዝበለት ወ/ሮ መሰረት ብርሃኑ ብወገና ንመኸተ ትግራይ ዝውዕል 85 ግራም ብሩር ኣበርኪታ፡፡

ህዝብና ካብታ ዘይብሉ ንሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘዕንግለሉ ዘሎ እዋን ንሕና ግና ኣብዚ መዕቆቢ እናተሓገዝና ንነብር ስለ ዘለና ንሕና ንሓይሽ ብምባል ካልእ 80 ግራም ወርቂ ንዓደይ ትግራይ ኢላ ዘወፈየት ድማ ወ/ሮ ሙሉ ኪዳነ እያ ፡፡

ልዕሊ 60 ሽሕ ወገናት ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱ ብፍላይ ድማ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኡምራኩባ ጥራይ ልዕሊ 20 ሽሕ ደቂ ትግራይ ኣፅሊለን ከምዘለዋን ንባዕሎም ብስእነት መሰረታዊ ኣቕርቦት ተገዲዖም ኣብ ሕሱም መነባብሮ እናሃለው ኩለንትናይ ንዓደይ፣ ንህዝበይ፣ ንሰራዊተይ ካብ ምባል ዓዲ ኣይዋዓሉን፡፡  

ብፀጋይ መኮነን

Previous articleብሰንኪ ክባን ዕፅዋን ማሕበረሰብ ሙስሊም ክሕጅጅ ከምዘይካኣለ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ገሊፁ፡   
Next article“ህዝብና ብጥምየት እናተወደአ ክሳብ ድርድር ሰላም ዝበሃል ኣይንፅበን ዋላ እውን ናይ ሰላም ተስፋ እንተሃለወ ከም ቅድመ ኩነት ኣይቅመጥን፡፡”ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ