Home ዜና 3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ኣብ ኣውስትራልያ

3ይ ዙር መኸተ ትግራይ ኣብ ኣውስትራልያ

1006
0

——

ፋሽስታዉያን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ #ትግራይ ይፍፅምዎ ንዘለው ገበን #ጀኖሳይድ መንግስቲ #ኣውስትራልያ ጠመተ ሂቡ ብዕቱብ ኽኹንኖ ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ብዲያስፖራ ደቂ ትግራይ ኣብ ሃገረ ኣውስትራልያ ተኻይዱ፡፡

ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ዲያስፖራ ደቂ ትግራይ ኣብ ፅላል 3ዙር መኸተ ትግራይ ዓሲሎም ነቲ ንልዕሊ 600 መዓልታት ዝቐፀለ ጀኖሳይድ ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ብኣግባቡ ተገንዚቡ ኣብ ልዕሊ ፈፀምቱ ተግባራዊ ስጉምቲ ዝወስደሉ ባይታ ንምፍጣርን ንምሕያልን እቲ መኸተ ዝውዕል ገንዘባዊ እቶት ኣብ ምትእኽኻብ ዘድሃበ ውዕውዕ ሰለማዊ ሰልፊ የሳልጡ ኣለው፡፡

ኣብ ኣውስትራልያ ዝመንበሪኦም ዲያስፖራ ደቂ ትግራይ ድማ ከም መቐፀልታ ናይቲ ን20 ኣዋርሕ ከካይድዎ ዝፀንሑ ከይዲ መኸተ ሓምለ 01/2014 ዓ/ም እውን ኣብ ከተማ #ፐርዝ ኣንፃር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዝፍፀም ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ዝኹንን ሰልፊ ተቋውሞ ብምክያድ መንግስቲ ኣውስትራልያ ጠመተ ሂቡ ብዕቱብ ኽኹንኖ ፃዊዒት ከምዘቕረቡ ምዕኸን ዜና ቲኤም ኤች ኣፍሊጡ፡፡

ኣብቲ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ኣብ እትርከብ ከተማ ፐርዝ ዝተኻየደ ውዕውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ሰልፈኛታት መንግስቲ ኣውስትራልያን ማሕበረሰብ ዓለምን  ነቲ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ገበን ጀኖሳይድ ደው ንክብል ሰብኣዊ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ክፍፅሙ ድሕሪ ምፅዋዕ ጀኖሳይድ ትግራይ ደው ይበል፡ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ትግራይ ይእተው፡ ኢድ ኣእታውነት ባዕዳውያን ሃገራት ደው ይበል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ንፖለቲካዊ ረብሓ ክውዕል የብሉን ዝበሉን ካልኦትን ጭርሖታት ድማ ኣጋዊሖም፡፡

ብፀጋይ መኮነን

Previous article“ህዝብና ብጥምየት እናተወደአ ክሳብ ድርድር ሰላም ዝበሃል ኣይንፅበን ዋላ እውን ናይ ሰላም ተስፋ እንተሃለወ ከም ቅድመ ኩነት ኣይቅመጥን፡፡”ኣይተ ጌታቸው ረዳ ወሃቢ ቃል ሴንተራል ኮማንድ መንግስቲ ትግራይ
Next articleወፍሪ ምጥፋእ መንነት ህዝቢ ትግራይ 3ይ ክፋል