Home ዜና 3ይ ዙር መኸተ ፖርት ሱዳን

3ይ ዙር መኸተ ፖርት ሱዳን

970
0

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ደገን ኣብ ውሽጥን ኣንፃር ፋሽስታውያንን ውዲቶምን  ይቅፅል ኣሎ፡፡ እቶም ፋሽስታውያንን መላፍንቶምን ህዝቢ ትግራይ  ንምንብርካክን ንምጥፋእን ኩሉ ኣሎ ዝበልዎ መንገዲ ካብ ምፍታን ዓዲ ኣይወዓሉን፡፡  ኣብ ውሽጢን ደገን ዘሎ  ህዝቢ ትግራይ ድማ  እንቢ ንምልክነት! ሃለዋተይን ድሕንነተይን ብቅልፅመይ  ከረጋግፅ! ኢሉ ይቃለስ ኣሎ፡፡

ኣካል እዚ  ቃልሲ ድማ ኣብ ሱዳን ዝነብራ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ መሊኡ ክሳብ ዝረጋገፅ ቃልሰን ከምዘሐይላ ገሊፀን፡፡

እተን ደቂ ኣንሰትዩ ህዘቢ ትግራይ ብልፈንታውያንን  ወረርቲ ሓይሊታትን ንዝበፅሖ ዘሎ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ምምካት ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ፀኒዐን ክቃለሳ ሰንቂ ከምዝኾነንን  ትግራይ መሊኣ ክሳብ ትስዕር ቃልሰን ኣሐይለን ክምዝቅፅላ ድማ እተን ደቂ ኣንስትዮ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ፖርት ሱዳን ዝነብሩ ደቂ ትግራይ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ዙር መኸተ ዓሰርተ ሚልዮን  ፓወንድ ሱዳን ንመኸተ ትግራይ ከምዘተኣኻኸቡ ድማ ኣቦ መንበር ማሕበር ተጋሩ ፖርት ሱዳን ኣይተ  መብራህቶም ገ/እግዚኣብሄር ብምፅራሕ ቲኤም ኤች ፀብፂቡ፡፡

ብወይኣንተ ብዙነህ

Previous articleዝተቋረፀ ክትባት ቫይረስ ኮረና ኣብ ትግራይ
Next articleዳግመ ሕውየት ሃፍቲ ደኒ ትግራይ