ተመራፂ ፕረዝዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ለዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳን ቻይናን ንምትግባር ኣውፂኦምዎ ዘለዉ ውሳነ ታሪፍ ንቑጠባ ኣርባዕቲኤን ሃገራት ዝሃሲን ክኽለስ ዝግበኦን ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስቴር ካናደ ጀስቲን ቱሩዶ ኣጠንቂቖም፡፡
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ዝካየዱ ልውውጥ ግዲን ውፅኢታት ኢንዱስትሪን ሓበራዊ ምርድዳእ እንበር በይናዊ ውሳነ ታሪፍ ንኹለን ሃገራት ዝጎድእ ምዃኑ ዘፍለጣ ፕረዝዳንት ሜክሲኮ ክላውዲያ ሸንቡም ብግዲኤን፤ ውሳነ ትራምፕ ዘይመሓየሽ እንተኾይኑ ሰለስቲኤን ሃገራት እውን ከቢድ ግብረመልሲ ከቐምጣ ከም ዝኽእላ ኣፍሊጠን፡፡
ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብዘሎ ኢምባሲኣ ኣቢላ ቅዋማ ዝገለፀት ቻይና፤ ብውሳነ ታሪፍ ትራምፕ ዝኾነት ዓዲ ተጠቃሚት ኣይትኸውንን ብምባል መልሲ ምሃባ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡
ንተቓውሞ ሰለስቲኤን ሃገራት ስዒቡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ መልሲ ዝሃቡ ትራምፕ፤ ብኣንፈት ካናዳ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትዉ ስደተኛታትን መዐወንቲ እፃትን ዝነከዩ ብምዃኖም ምስ ቀዳማይ ሚኒስቴር ቱሩዶ ዘተ ከም ዘካይድ ምሕባሩ ፀብፃብ ቢቢሲ የማላኽት፡፡
ምምሕዳር ትራምፕ ስልጣን ምስተረከበ ፈላማይ ስርሑ ካብ ቻይና፣ ሜክሲኮን ካናዳን ናብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝኣትዉ ሸቐጣት ልዕሊ 25 ሚኢታዊ ታሪፍ ከም ዘንብር ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር፡፡
ብገ/ሄር ሃይሉ