Home ዜና “45 ሚልየን ብር ሓገዝ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ነበርቲ ሪያድ “

“45 ሚልየን ብር ሓገዝ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ነበርቲ ሪያድ “

565
0

“45 ሚልየን ብር ሓገዝ ካብ ሱዑዲ ዓረብ ነበርቲ ሪያድ ” ሕብረት ተጋሩ ነበርቲ ሳውዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ንጉዳኣት ሰራዊት ትግራይ ዝውዕል ልዕሊ 45 ሚልዮን ብር ሓገዝ ገይሮም፡፡ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝገጠሞ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ትግራዋይ ኣብ ኩለ-መዳይ ቃልሲ ወፊሩ እናተቃለሰን እናመከተን መፅዩ እዩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ዝርከብ ዲያስፓራ ትግራይ እውን ንህዝቦምን ዓዶምን ብገንዘቦምን ፍልጠቶምን ድጋፍ ኣብ ምግባር ይርከቡ፡፡

ሕብረት ተጋሩ ነበርቲ ስዒዲ ዓረብ ከተማ ሪያድ ኣብ 1ይ ዙር መኸተ 1 ሚልዮን ሪያል ድጋፍ ዝገበሩ እንትኾኑ ሐዚ ድማ ንጉዱኣት ሰራዊት ትግራይ ዘላቕን መሰረታውን ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ርብርብ እጃሞም ንምብርካት ናብ “ኮምሸን ሓርበኛታት ትግራይ” ልዕሊ 45 ሚልዮን ቅርሺ እቲ ቦርድ ናብ ዝኸፈቶ ቁፅሪ ሒሳብ ባንኪ ኣታዊ ከም ዝገበሩ ምክትል ኮሚሽነር ኮምሽን ሓርበኛታት ትግራይ ኣይተ ናስር መምሑር ተዛሪቦም፡፡ሕብረት ተጋሩ ሪያድ ጀሚሮምዎ ዘሎ ኣዝዩ ዝነኣድ ሰናይ ተግባር ብስም እቶም ዉጉኣት ተጋደልትን እቲ ኮሚሽንን ዘመስገኑ ኣይተ ናስር መምሑር ጉዱኣት ሰራዊት ንምሕጋዝ ኣብ ውሸጥን ደገን ዝነብር ህዝቢ ዘላቒ ዝኾነ ሓገዝ ክገብር ፀዊዖም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ሓድነቱ ብምጥንኻር ኣብ ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ትግራይ ብስፍሓት ክሰርሕን ብፍላይ ጉዱኣት ሰራዊት ኣብ ልምዓት ትግራይ ተሳትፎ ክህልዎሞ ተረባሕቲ ክኾኑን ብዝተወደበ መንገዲ ክስርሕ ኣለዎ ኢሎም፡፡ #ሃፍታይ ባህረ

Previous articleፃውዒት ኣሜሪካ ንሓለዋ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ምዕራብ ትግራይ
Next articleካብ ትግራይ ክሳብ የመን ዝተዘርግሐ ዘይሕጋዊ መሓውር ደላሎ ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ በፂሑ ከም ዘሎ ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን ትግራይ ኣተሓሳሲቡ።