ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅን ወሎዶ ንምህናፅን ኣብ ትምህርቲ ብትኹረት ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ገሊፆም፡፡
ዶ/ር ኪሮስ ጉዕሽ ነዚ ዝገለፁ ኣብ ወረዳ ጐለመኸዳ ግዱሳት ተወለድቲ ጣብያ ርግበይ መደባይ ኣብታ ጣብያ ንዝርከብ ቤት ትምህርቲ መደባይ ሓገዝ ናዉቲ ትምህርቲ ንምሃብ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ርኽክብ ኢዩ።
ነቶም ደገፍ ዝገበሩ ኣካላት ወኪሎም ነቲ ሓገዘ ዘረከቡ ዶ/ር ገ/ሂወት ተስፋይ ጠቕላላ እቲ ናዉቲ ትምህርቲ ሓደ ሚልየን ብር ዝዋጋኡ ከም ዝኾነ ይገልፁ፡፡
ሓገዝ ዝተገበረሎም ተምሃሮን ወለዶምን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ ኵናት ዘቋረፅዎ ትምህርቶም ንምጅማር እቲ ሓገዝ ናዊቲ ትምህርቲ ወሳኒ ብፅሕት ከምዘለዎ ይዛረቡ፡፡
መማህራን እቲ ቤት ትምህርቲ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ትምህርቲ ንምጅማር ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ዋላእኳ ኣይሃሉ ነቲ ፀገም ተፃውርካ ደቂኻ ምምሃር ግና ግዜ ዝወሃቦ ጉዳይ ከምዘይኮነ ገሊፆም፡፡
ብዘይ ትምህርቲ ዝህነፅ ወለዶ ከምዘይለ ዝሓበሩ ምክትል ኣመሓዳሪ ወራዳ ጎሎመኸዳ ኣይተ ኪዳነ ደበሳይ ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከባ 42 ኣብያተ ትምህርቲ እተን 15 ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ሻዕብያ ከምዝርከባን ሐዚ እውን ህዝቢ ይፀንት ከምዘሎን ኣብሪሆም፡፡
ዳግመ ሕውየት ትግራይ ንምርግጋፅን ወሎዶ ንምህናፅን ትምህርቲ ወሳኒ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ህፃናት ትግራይ ትምህርቲ ዝረኽብሉ ዕድል ንምፍጣር ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ክረባረብ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣብ ትግራይ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ዋላኳ ትምህርቲ እንተተጀመረ ሐዚ እውን 552 ኣብያተ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ፅንተት ከምዝርከባን ኣብተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ዝነበሩ ተምሃሮ ድማ ዕድል ትምህርቲ ክረኽቡ ይትረፍ ኣብ ከቢድ ናይ ሃለዋትን ድሕንነትን ሓደጋ ወዲቖም ከምዘለው ዶ/ር ኪሮስ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡
ብታደለ ዳኘው