Home ጥዕና 70 ወገናት ብጥሜትን ስእነት ሕክምናን ሞይቶም

70 ወገናት ብጥሜትን ስእነት ሕክምናን ሞይቶም

1823
0

ኣብ ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ማያኒ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ተመስሪቱ። ዓመታዊ ልዕሊ 150 ሽሕ ተሓከምቲ እውን ከገልግል ፀኒሑ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግና ብዕሱብ ሰራዊት ኤርትራ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝዓነወ ግዝያዊ እቲ መተሓባበሪ እቲ ሆስፒታል ኣይተ ተኽላይ ገብረመድህን ገሊፆም።

ሚልዮናት ቅርሺ ወፃኢ ዝተገበረሉን ሙሁር ሓይሊ ዝነበሮን እዚ ሆስፒታል ሕዚ ናብ መውዓሊ ኣዕዋፍን ፍልሖን ተቐዪሩ ኣሎ።

ከም ሳዕቤኑ እውን ነብሲ ፁር ኣዴታትን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናትን ንዓፀባን ሞትን ተሳጢሖም ክብሉ ነበርቲ ከተማ ሸራሮ ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ሸራሮ ብጥሜትን ስእነት ሕክምናን ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልትታት 70 ወገናት ከምዝሞቱ ድማ ከንቲባ እታ ከተማ ኣይተ ሙሉብርሃን ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 15 ሰብሃፍቲ ከተማ ሸራሮ ብዕሱብ ሰራዊት ኤርትራ ምስተጨወዩ ዛጊድ ድሃዮም ኣይተረኸበን ዝበሉ ኣይተ ሙሉ ፤ ከም ሳዕቤኑ እውን ሃለዋት እቶም ሰብ ሃፍቲ ሓዊሱ ስድርኦምን ብእኦም ይጥወሩ ዝነበሩ ፁጒማት ማሕበረሰብን ኣካል ቱሉም ስልታዊ ጄኖሳይድ ኰይኖም ከምዘለዉ ገሊፆም።

ብኤፍሬም ረደሀይ

Previous articleዝተጋደደ ዓፀባ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ
Next articleዝሰመረ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብምሕያል ሃለዋትን ድሕንነትን ትግራይ ክነረጋግፅ ኢና ክብሉ ሰብ ሞያ ጋዜጠኝነት ትግራይ ገሊፆም፡፡