ላዕለዋይ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ንተሓከምቱ ምግቢ ምሃብ ኣቋሪፁ፡፡ ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር 1000 ሕሙማት ደቂሶም ይሕከሙ፡፡ ነዞም ሕሙማት  መዓልታዊ ሰለስተ ግዘ ቀረብ ምግቢ ካብቲ ሆስፒታል ክረኽቡ ፀኒሖም፡፡ ሎሚ ግና ዕፅዋ ጠጠው ኣቢሉ ኣሎ፡፡ ኣይ ተገዛኢ ተስፋይ ድማ ግዳይ እዚ ዓፀባ...
ኣብ ኢድ ማሕበረሰብ ነጋዶ ዝርከብ  ገንዘብ ካብ ዘየድሊ ብኽነትን ስርቅን ንምክልኻል ናብ ባንኪ ኣታዊ ብምግባር ህይወት ወገናቶም ካብ ዓፀባ ከድሕኑ ከምዝግባእ ዘዘራረብናዮም ነጋዶ ከተማ መቐለ ገሊፆም  ፡፡ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ግልጋሎት ትካላት ፋይናንስ ገደብ ገንዘብ ኣድሂቡ  ዝወፀ ሓድሽ መምርሒ  ተግባራዊ...
ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ብጥሜት ንምፅናትን ንምንብርካክን ዝገብርዎ ዘለዉ ዝተዋደደ ግፍዒ ጀኖሳይድ ብሓድነታዊ ቅልፅምና ክፍታሕ እዩ ክብሉ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተዓቆቡ ተመዛበልቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ገሊፆም፡፡ ፋሽስታውያንን ወረርትን ሓይልታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውራይ ልምዓት እናሃለወ ግዘ መሪፆምን ተሊሞምን ብልፍንትን...
ኣብ ልምዓት መስኖ ብምንጣፍ ኣጋጢሙና ካብ ዘሎ ዓፀባ ዓርስና ንኸላኸል-መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ።መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ነባሪ ከተማ መቐለ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ቆልዑት እዩ። መንእሰይ ኣታኽልቲ ገ/ታትዮስ ብባጃጅ ኣብ ግልጋሎት መጎዓዓዝያ ተዋፊሩ መዓልታዊ ብር 500 ይረክብ ከም ዝነበረን ፋሽስታውያንን...
ነበር ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ንዝተፀገሙ ተምሃሮ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ናውቲ ትምህርቲ ሂቦም።ነበር ተምሃሮ ፍሉይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ቓላሚኖ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ከተማ መቐለ ዘተኣኻኸብዎ 500 ደፍተር ፀገም ቀረብ ናውቲ ትምህርቲ...
ዑስባት ስራዊት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ኣዴታትን ህፃናትን ፆታዊ፣ ኣካላዉን ስነ ልቦናዉን ማህሰይቲ ፈፂሞም እዮም፡፡ ግዳይ እዞም ዑስባት ካብ ዝኾነት ሓንቲ ንድሕንነታ ክንብል ስማ ዘይጠቐስናያ ኣብ ማእኸል ሃምሊን ፌስቱላ መቐለ እንዳተሓከመት ረኺብና ዘዘራረብናያ ኣዶ ኣብ መንበሪ ገዝኣ...

ምክልኻል ዓፀባ

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፀም ዘሎ ዕፅዋን ክባን ንምክልካል ኣካል መፍትሒ ፀገም ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ስራሕቲ መስኖ ዘለካ መሬትን ጠብታ ማይን ኣብ ረብሓ ብምውዓል ኣሕምልቲ ገደና ብምልማዕ ኩሉ ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ኣብ ልምዓት መስኖ ዝተዋፈሩ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣይተ ገ/ሄርን...
ገበቲ ሓይልታት አምሓራ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝፈፀምዎን ዝፍፅምዎ ዘለዉን ገበን ጀኖሳይድ ንምክሓድ መረዳእታ ክህቡ እዮም ዝበሎዎም ወገናት ብምቅታልን ኣዕፅምቲ ተጋሩ ካብ መቃብር ብምውፃእ ብምስዋርን ተወስክቲ ገበናት ይፍፅሙ ከምዘለዉ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ሰቲት ሑመራ ገሊፆም፡፡ገበቲ...
ምዕባይ ባህሊ ምትሕግጋዝማሕበር ኣባ ሰላማ ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብታ ከተማ ንዘለው ዝተፀገሙ ወገናትን ተመዛበለቲ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝፀንሑን ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ዘሎ ፀገም ይጋደድ ብምህላው ነዚ ሰናይ ተግባሮም ኣጠናኺሮም ንምቅፃል ሓገዝትን ተሓገዝትን ዘራኸበ መድረኽ ዘተ...
ሕጊ ምኽባር ተባሂሉ ዝጀመረ ቅልውላው ኢትዮጵያ ናብ ኲናት ዓብዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈፀመ ፀብፃብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዕላዊ ገይሩ፡፡ኣብቲ ፀብፃብ ጉጅለ ፋሽስት ኣብይ ኣሕመድ ዘካየዶ መረፃ ተቐባልነት ከምዘይረኸበ፣ ዘጣየሸን ትካላት ፍትሒ ነቲ መንግስቲ ዘግልግላ ብምዃነን...