ዕድል ስራሕ ደቂ ኣንስትዮ

0

ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብማሕበር ተወዲበን ዕድል ስራሕ ክረኽባን መነባብሮአን ክልውጣን ሓገዝ ትገብር ከምዘላ ዓለም ለኸ ማሕበር ኩለን ኣሓት ደቂ ኣንስትዮ ንሰላም ኣፍሊጣ። እታ ማሕበር ነዚ ዘፍለጠት ኣብ ከተማ ውቕሮ ዝርከባ ኣርበዓ መራሕቲ ስድራ ደቂ ኣንስትዮ ብማሕበር ወዲባ ብልዕሊ 210 ሽሕ ብር ወፃኢ ዓሰርተ ኤሌክትሪክ ሞጎጎ፣ ዓሰርተ ኩንታል ጣፍን ካልኦት መሳርሕታትን ገዚኣ ንኣባላት እታ ማሕበር ኣብ ዘረከበትሉ እዋን እዩ። እቲ ዝተገበረ ንዋታዊ...

ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ግደ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ

0

ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ኣድላዪ ሓገዝ ክገብሩ ከምዝግባእ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ገሊፃ፡፡ እዚ ዝተገለፀ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኬር አትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ 8 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ዑደት ኣብ ዝተሳለጠሉ እዋን እዩ፡፡ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብሓገዝ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኬር አትዮጵያ ብምትሕብባር ኣብ 8 ወረዳታት ዞባ ምብራቕ ትግራይ...

ህንፀት ፕሮጀክት ኣስፋልት ከተማ መቐለ

0

ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክታት መንገዲ ኣስፋልት ክረምቲ ቅድሚ ምእታው ብፅሬት ክዛዘሙ ይግባእ ክብሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሪኢቶኦም ገሊፆም። መንእሰይ ባይረ በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ነባራይ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኮይኑ ኣካል ጉዱእ ዩ ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሩ ነባራት ዋና መንገድታት ኣስፋልት ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምችዉነት ዘይነበሮም እኳ እንተነበሩ ብፍላይ ከማይ ንዝበሉ ጉዱኣት ኣካል ድማ ኣብ ግምት ዘየእተዉን...

ህንፀት ፕሮጀክት ኣስፋልት ከተማ መቐለ ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ከም ዝዛዘም ሰብ ሞያ ሓቢሮም ።

0

ኣብ ከተማ መቐለ ዝህነፁ ዘለዉ ፕሮጀክታት መንገዲ ኣስፋልት ክረምቲ ቅድሚ ምእታው ብፅሬት ክዛዘሙ ይግባእ ክብሉ ነበርቲ ከተማ መቐለ ሪኢቶኦም ገሊፆም።መንእሰይ ባይረ በርሀ ኣብ ከተማ መቐለ ነባራይ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ ኮይኑ ኣካል ጉዱእ ዩ ፡ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበሩ ነባራት ዋና መንገድታት ኣስፋልት ንኹሉ ክፋል ሕብረተሰብ ምችዉነት ዘይነበሮም እኳ እንተነበሩ ብፍላይ ከማይ ንዝበሉ ጉዱኣት ኣካል ድማ ኣብ ግምት...

ስርዓተ ጥዕና ትግራይ

0

ዘለው ፀገማት ተፃዊርካ ስርዓት ጥዕና ከተማታት ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ሕ/ሰብ ሓጋዛይ ኾይኑ ክሰርሕ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ፀዊዑ። ኣብ ምምሕያሽ ስርዓት ጥዕና ከተማታት ኣመልኪቱ ብምትሕብባር ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይን ሚኒስቴር ጥዕና ፌደራልን ኣብ ከተማ መቐለ መድረኽ ተሳሊጡ። ቅድሚ ኩናት መብዛሕቲኡ ህዝቢ ትግራይ ጥዕንኡን ጥዕና ከባቢኡን ኣብ ምሕላው እኹል ግንዛበ ፈጢሩ ዓርሱ ይኹን ንኻልኦት ወገናት ካብ ዝተፈላለዩ...

ገምጋማዊ ዋዕላ ኮሚቴ ፕሮጀክት ሪፎርም ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ተሳሊጡ፡፡

0

ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ትግራይ ትብህጎ ዝማዕበለ ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዝዓለመ መደብ እዩ- ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ፕሮጀክት ሪፎርም ዴሞክራሲያዊ ምሕደራ ትግራይ ንትካላዊ ኣሰራርሓ ስቪል ሰርቪስ፣ ኣካላት ፍትሒን፣ ትካላት ሚድያ፣ ስቪክ ማሕበረሰብን ፖለቲካዊ ውድባትን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራ ንምንጋስ ብዘኽእል መንገዲ ሪፎርም ብምግባር ትግራይ ትብህጎ ዝማዕበለ ዲሞክራሲያዊ ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዝዓለመ ምኻኑ ምክትል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ዘይምእኹል ምሕደራን ዴሞክራተይዜሽንን ጀነራል ፃድቃን...

ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ

0

 ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ከምዘፅደቐ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ትግራይ ኣፍሊጡ። ትማሊ 07 መጋቢት 2016ዓ.ም ኣማስዩ ዝተወደአ ኣኼባ ካብኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ካውንስል ንምጥያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ደንቢ ብዝርዝር ተመያይጡ ከም ዘፅደቐ እቲ ቤት ፅሕፈት ዕላዊ ገይሩ። እቲ ረቂቕ ደንቢ ንምድላው ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ትካላትን ሓሳብ ዝእክብን ዝውድብን ኣሰናዳዊት ኮሚቴ ወዲቡ እናሰርሓሉ ከምዝመፀን እቲ ካብኔ ነቲ ዝቐረበ...

ዑደት  ልምዓት  መስኖ  ራማ ዓዲ ኣርባዕተ

0

  አመራርሓ ዞባን ወረዳታትን  ከምኡ ዉን ሓለፍቲ ዘፈር ቁጠባን  ኪኢላታት ሕርሻን ዞባ ማእኸል ዝተሳተፉሉ ኣብ ወረዳ ራማ ዓዲ ኣርባዕተ  ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ሜዳ  ሓመዶ ንምዕዛብ ዑደት አሳሊጦም ። እቶም አመራርሓን  ኪኢላታትን  ሕርሻ ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ድማ ኣብታ ወረዳ ብፍላይ ድማ   ኣብ  ሜዳ ሓመዶ ብሓረስቶት ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ  መርአያነቱ ዕዙዝ ብምዃኑ  ናብ ካልኦት ወረዳታት እታ ዞባ ክሰፍሕ ከም ዘለዎ...

መድረኽ ምኽክር ኢንቨስትመንት ከተማ መቐለ

0

መሬት ወሲዶም ከልምዑ ንዝደልዩ ሰብ ሃፍቲ ንምድጋፍን ብሕግን መምርሕን ንዘየልምዑ ሰብ ሃፍቲ ድማ ሕጋዊ መስርሕ ንምትግባር ይስራሕ ከምዘሎ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣፍሊጡ። ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ሰብ ሃፍትን ኣካላት ኣመራርሓን ኣብ ዝተረኸብሉ መድረኽ ምኽክር ተሳሊጡ። ኣብቲ መድረኽ ኣብ ስራሕቲ ኢንቨስትመንት መሬት ኣብ ዝወሰዱ ሰብ ሃፍቲ ከተማ መቐለ ኮሚቴ መፅናዕቲ ተጣይሹ ዝተገበረ መፅናዕቲ ዝቐረበ ኾይኑ ቅድሚ ኲናት...

”ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ተምሳሌት ፅንዓት፣ኒሕ፣ ዘይስበር እምቢ በሃላይነትን እየን”-ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ

0

ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ ንደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብሓፈሻ ድማ ንኹለን ደቂ ኣንስትዮ ርሑስ በዓል ክኾነለን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም። ፕሬዚዳንት ጌታቸው ረዳ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መርኣያ ፅንዓት፣ኒሕን ዘይስበር መንፈስን ከምዝኾና ብምግላፅ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንዝበፅሐን ሰፍ ዘይብል ወፅዓ ዘይስገር ፍትሒ ይጠልባ ክብሉ ገሊፆም። እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መልእኽቶም ትግራይ...