ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ነበር ዓቀብቲ ሰላም

0

ማሕበራዊ ቅልዉላዉ ነበር ዓቀብቲ ሰላም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ነበር ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጽያ ዝኾኑ ተጋሩ ዓቀብቲ ሰላም ኣብ መዕቀቢ ስደተኛታት ንኸቢድ ማሕበራዊ ፀገማት ከምዝተሳጥሑ ሓቢሮም። ኣብ ሃገራት ሰሜን ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳንን ዩጋንዳን ዑቁባ ሓቲቶም ዘዕቀሉ ነበር ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ዛጊድ ዘገልገልሉ ክፍሊት ከምዘይተፈፀመሎም ገሊፆም ኣለዉ። በዙይምኽንያት ድማ ኣብ ኸቢድ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ጢሒልና ንደቅና ቀለብ መክፈሊ ሲኢንና ክብሉ መረረቶም ገሊፆም።ዉድብ...

ነበርቲ ከተማ መኾኒ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ወፍሪ ፅሬት፣ ምይይጥ፣ ምዉላዕ ጥዋፍን ብምክያድ ዘኪሮም።

0

ነበርቲ ከተማ መኾኒ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ወፍሪ ፅሬት፣ ምይይጥ፣ ምዉላዕ ጥዋፍን ብምክያድ ዘኪሮም። ናይ ትማልን ሎምን ስዉኣትና ንምዝካር ሰነ 15 ኣይንፅበን፣ኩሉ ግዜ ሰማእታትና ዝተሰወእሉ ዕላማ ዓቂብና ንተግባራዉነቱ ክንረባረብ ኢና ድማ ኢሎም ነበርቲ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኸቡ ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ኣታኽልቲ ገ/ሂወት ጀጋንና ምእንተ ህልዉና ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅ ዝኸፈልዎ መስዋእቲ ብምዕቃብ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ተጠቂምና ትግራይ ቀልጢፋ ክትሓዊን...

ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ

0

ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ነበርቲ ከተማ መቐለ መበል 35 ዓመት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ንሰማእታትና ጥዋፍ ብምብራህ ዘኪሮም።ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ግቢ ሓወልቲ ሰማእታት ትግራይ ዝተሳለጠ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ድማ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ትግራይ ተረኺቦም ምእንተ ህዝቢ ትግራይ ክበሃል እንኮ ህይወቶም ዝበጀው ናይ ሎሚን ትማሊን ስውኣት ብፆቶም ዘኪሮም። ሎሚ ዘበን ንመበል 35 ዓመት ዝኽበር ዘሎ መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ''ሕድሪ ስውኣትና ንሕውየትናን ፍትሕን፣ሕድሪ...

መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝተውሃበ መግለፂ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ

0

ንመስርሕ ሰላም ዓቲርና ሕውየትን ፍትሕን ንምርግጋፅ ብፅንዓት ክንቃለስ ኢና!!ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን ንስድራ ስውኣትና፣ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ካብ ትግራይ ወፃእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ትግራይን ጅግና ሰራዊትናን እንኳዕ ንመበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ኣብፅሓኩም፣ ኣብፅሓና። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ነዊሕ መዋእል ታሪኩ ተወደቡ ስለ ዝተቓለሰን በብምዕራፉ ክቡር መስዋእቲ ስለዝኸፈለን ታሪኩን መንነቱን ዓቂቡ ሕዚ እውን ብፅንዓት እናተቓለሰ ዘሎ ህዝቢ እዩ። ትማልን ሎሚን ዝተኸፍለን...

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ

0

ሓገዝ ናውቲ ትምህርቲ ትካል ገባሪ ሰናይ ትንሳኤ ኣብ ወረዳ እንደርታ ዝርከባ ምሉእ 1ይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ መልባን ሰሰላን ንዝርከቡ 1000 ፅጉማት ተምሃሮ ብልዕሊ 350 ሽሕ ብር ዝተዓደጉ 34 ካርቶን ደብተር፣ኣስታት ሓደ ሽሕ እስክርቢቶ ከምኡ'ውን 10 ፀሊም ሰሌዳ ሓገዝ ከም ዝገበረት ኣካያዲት ስራሕ እታ ትካል ወይዘሪት ገነት ብርሃኑ ገሊፃ። ተምሃሮን ወለድን ንዝተገበረ ኩሉ ብምምስጋን እቲ ሓገዝ ንዝነበሮም ሕፅረት ናውቲ ት/ቲ ብምቅላል...

ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ቁልውላው ኣብ ምፍታሕ ክነጥፍ ዝኽእል ትግራይ ሶሻል ኢንተርፕራይዝ ዝተብሃለ ስቪል ማሕበር ተጣይሹ።

0

ኣብ ስራሕቲ ንግድን ግልጋሎትን ምግባረ ሰናይን ብምንጣፍ ኣካል መፍተሒ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ ማሕበረ ቁጠባዊ ቁልውላው ክኸውን ትፅቢት ከም ዝግበር ድማ እቲ ትካል ኣብ ዘሳለጦ ዋዕላ ዝተረኸቡ ሰበ ስልጣናት ክልልን ፌዴራልን ገሊፆም።ኣብ ትግራይ ዝርከባ ማሕበራት ሕብረት ስቪል ማሕበረሰብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ክኽተላን ካብ መትረፋይነት ማሕበረሰባዊ ፀገማት ኣብ ምፍታሕ ትኹረት ሂበን ክሰርሓን ዝሕግዝ ትግራይ ሶሻል ኢንተርፕራይዝ ንምጥያሽ ዋዓላ ተሳሊጡ። ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኸቡ...

ፓነል ምይይጥ ዝኽሪ ሰማእ

0

ፓነል ምይይጥ ዝኽሪ ሰማእታት ብምኽንያት መበል 35 ዓመት ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ፣ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ መቐለን ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስትን ዝተሰናድአ ፓነል ምይይጥ ይሳለጥ ኣሎ። ኣብቲ መድረኽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ኣቦ መንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤልን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ኣመራርሓን ዕዱማት ኣጋይሽን ይሳተፉ ኣለው።

ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላው ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዩ።

0

ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓን ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላው ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዩ። ብላዕለዋይ ኣተሓባባሪ ሕብረት ኣውሮፓ ዶ/ር ስቴፋን ሎክን ብኣምባሳደር ፈረንሳይ ኢትዮጵያ ረሚ ማርቻኩስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ እንትበፅሑ ብላዕለዎት ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቀባባላ ተገይርሎም። እቶም ልኡኻት ኣብ ትግራይ ኣብ ዝህልዎም ፃኒሒት ስራሕ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ስራሕቲ...

ፕሬዝደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሬጂናል ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪካ ክሪስ ኒኮይ ኣብ ቤት ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

0

ፕሬዝደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ንሬጂናል ዳይሬክተር ትካል ምግቢ ዓለም (WFP) ማእኸላይን ምዕራብን ኣፍሪካ ክሪስ ኒኮይ ኣብ ቤት ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም። ኣብቲ ዘካየድዎ ዘተ ድማ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ተቛሪፁ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝን ሳዕቤናቱን፣መንግስቲ ትግራይ ነቲ ዝተርኣየ ስርቅን ዘይእርኑብ ተግባርን ንምፅራይ ዝወሰዶ ተበግሶን ኣብ ከይዲ ምፅራይ ዝተረኸቡ ርካቦታትን ኣብቲ ጉዳይ ተሳቲፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ ኣካላት ዝወሰዱ ዘየማትእ ስጉምትን ፕሬዚዳንት ጌታቸው...

መፅሓፍ “መባእ ትግራይ” ተመሪቓ

0

ካብ 5000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ 700 ዓ/ም ዝነበረ ታሪኽ ጥንተ ስልጣነ ተጋሩ እተዘንቱ፤ ብመምህር ኣሸናፊ ገብረስላሴ ዝተፃሕፈት መፅሓፍ ''መባእ ትግራይ'' ሎሚ ዕለት 13 ሰነ 2015 ዓ/ም ብዕሊ ተመሪቓ። እቲ መፅሓፍ እቲ ሐዚ ዘሎ ወለዶ ጥንታዊ ታሪኽን ኣመፃፅኣን ትግራይ ክንፈልጥ ዝገብርን ሃይማኖትን ሳይንስን ፈላልዩ ዘርኣየ ታሪኻዊ ሓቅታት ዘንፀባረቐ ምዃኑ ድማ ነታ መፅሓፍ ዝመረቑ ሙሁር ታሪኽ መምህር ሙሉወርቅ ኪዳነማርያም ሓቢሮም።...