ኮሚቴ ቁፅፅርን ክትትልን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ውዕሊ ሰላም ሙሉእ ንሙሉእ ክሳብ ዝትግበር ዝተውሃቦ ተልእኾ ዕማም ክሳብ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ዓ/ም ተናዊሑ ።

0

ንስምምዕነት ውዕሊ ፕሪቶርያ ስዒቡ ከይዲ ኣፈፃፅማ እቲ ዉዕሊ ክከታተል ዕማም ዝተዉሃቦ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ቁፅፅር፣ክትትልን ምርግጋፅን እቲ ሕብረት ዕማሙ ክናዋሕ ከም ዝተገብረ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ጃኮብሰንን ብሓባር ኣብ መቐለ ምብፃሕ ድሕሪ ምግባሮም ምስ ኮሚቴ ቁፅፅር ሕብረት ኣፍሪካ ከም ዝተራኸቡ እቲ ኤምባሲ ኣብ...

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ብዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መዕቆቢ ተመዛበልቲ ቦታታት ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ተገሊፁ።

0

ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ 18 ማእኸላት መዕቖቢ ዝርከቡ ኮይኖም ኣብተን ማእኸላት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተመዛበልቲ ከምዘለዉ ይፍለጥ።ካብዞም ተመዛበልቲ ብሰንኪ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ክልተ ሰለስተ ግዜ ተመዛቢሎም ዘስካሕክሕ ናብራ ይነብሩ ኣለዉ። እቶም ብሰንኪ ስእነት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ብጥሜትን ሕማምን ኣብ ከቢድ ፀገማት ወዲቖም ዝርከቡ ወገናት፡ ሕጂ ድማ ወቕቲ ክረምቲ ብምዃኑ ብሰንኪ ኣብታ ኸተማ ዝዘነበ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ መዕቆቢኦም ይፈርስ...

ሞት ህፃናት ትግራይ

0

ብሰንኪ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ኣብ ትግራይ ቑፅሪ ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ብዝለዓለ መጠን ይዉስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ።ኣብ ክልል ትግራይ ብምኽንያት ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ቐፅሪ ዝሞቱ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ካብ መጋቢት ክሳብ ሚያዝያ 2015 ዓም ኣብ ዘሎ እዋን ጥራሕ ብ20 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ንቢሮ ሓለዋ ጥሽና ትግራይ ብምጥቃስ ኣዲስ ስታንዳርድ ፀብፂቡ። መተሓባበሪ ቀረብ ዝተመጣጠነ ምግቢ እቲ ቢሮ ኣይተ መንገሻ ባህረስላኔ ንኣዲስ...

ኣባላት ማሕበር ጡሮተኛታት ከተማ መቐለ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተኸፈሎም ኣበል ጥሮታ ክኽፈሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣሳሊጦም።

0

ኣባላት እታ ማሕበር ከም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ በደል ኣብ ልዕሌና እውን በፂሑ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ድሕሪ እቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ግን ዝግበኣና ኣበል ክኽፈለና እናተገበኦ ዛጊድ ክኽፈለና ኣይከኣለን ኢሎም።ስለዚ ድማ መንግስቲ ፌደራል መሰሎም ኣኽቢሩ ኣበል ጥሮታ ክኸፍሎም ዝፅውዕ ሰለማዊ ሰልፊ እዮም ኣሳሊጦም ዘለዉ። ሓላፊ ኤጀንሲ ማሕበራዊ ውሕሰና ሰራሕተኛታት መንግስቲ ርጅን ሰሜን ኣይተ ክንፈ ኣዳነ እቶም...

ኣብ ኢድ ወረርቲ ሓይልታት ዝርከቡ ሕገ-መንግስታዊ ግዝኣታት ትግራይ ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ ኢድ ምምሕዳር ትግራይ ክኣቱ ብዕቱብ ንሰርሕ ኣሎና ኢሎም ምክትል ፕሬዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ።

0

ምክትል ፕሬዚዳንትን ሓላፊ ካብኔ ሴክሬታሪያት ዴሞክራታይዜሽንን ዘይምእኹል ምሕደራን ትግራይ ሌተናል ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ነዚ ዝሓበሩ ኣብ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ብምትሕብባር ቴሌቪዥን ትግራይን ትካል SUCCESSን ኣብ ምህዞን ፈጠራን ሳይንስ ኣዲሂቡ ዝቐርብ መደብ ''መዳይብ'' ኢዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ህዝቢ ትግራይ ንምግላፁ ካብ ዝኸብድ ኣዕናዊ ኲናት ወፂእና ናብ ሃዋህዉ ሰላምን ንቡር መነባብሮን ክንምለስ ኣብ ስግግር ኣለና ድማ ኢሎም ጀነራል ፃድቃን ። ሰፊሕ...

ህፁፅ ፍታሕ ዝጠልብ ስቓይ ተመዛበልቲ ትግራይ

0

ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ከተማ ባድመን ተመዛብሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ኣዕቕቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዝወደቑ ገሊፆም፡፡ ኣይተ ኣረጋዊ ገ/ጠርቆስን ኣይተ ሽሻይ ሓጎስን ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ወ/ሮ ለታይ ገ/ሚካኤልን ንእስቲ ኣኽበረት ይርጋን ድማ ካብ ከተማ ባድመ ተመዛብሎም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ዝርከቡ ወገናት እዮም፡፡ እዞም ወገናት ንዝሓለፉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ...

ኣእሙራዊ ንብረት መሃዝቲ

0

ኣእሙራዊ ንብረቶም ንምሕዳስን ፍቓድ ንምውፃእን ዝደልዩ መሃዝቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ከም ዝተናወሐ ቢሮ ምህዞን ሳይነስን ቴክኖሎጅን ትግራይ ኣፍሊጡ ። ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ወረርቲ ሓይልታት ዝወልዕዎ ኵናት ብርክት ዝበሉ ወገናት ዋንነት ኣእሙራዊ ንብረት ዘየሐደሱን ፍቓድ ዘይተውሃቦምን መሃዝቲ ከም ዘለው ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት። ብርክት ዝበሉ ወገናት በብዝነጥፍሉ ዘፈር ሞያ ኣብ ምህዞ ሳይነስን ቴክኖሎጅን እንትዓሙ ምርኣይ ልሙድ እናኾነ እዩ ዝበሉ ሓላፊ ቢሮ ምህዞን...

ኣብ ትግራይ መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝወሰኸ ምንካይ ድኽዳኸ ህፃናት ቃልኪዳን ሰቖጣ ገሊፁ ፡፡

0

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኣጋጢሙ ዘሎ ቑጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው መጠን ድኽዳኸ ህፃናት ናብ ዝልዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ ቃል ኪዳን ሰቖጣ ገሊፁ ፡፡ ብዚ መሰረት ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪፁ ዝሐንፀ ፕሮጀክት ቃልኪዳን ሰቆጣ ዕላው ስራሕቱ ንምጅማር ምስ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ኣብያተ ዕዮ ዘተ ኣሰሊጡ ፡፡  ቅድሚ ኵናት ድኽዳኸ ከብፅሖ ዝኽእል ፅዕንቶ ንምቕናስ ፕሮግራም ብዝሃ ሴክተር ምንካይ ድኽዳኸ ቃል ኪዳን ሰቆጣ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ሴክተራት...

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰንን ምስ ፕሬዝደንት ጌታቸው ረዳን ካብኔኦምን ተራኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘትዮም።

0

ምዉሓስ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልቲ፣ ምጅማር ዝተቛረፀ ሰብኣዊ ረዲኤትን ምዉፃእ ወረርቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ካብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይን ኣብቲ ዘተ ብዕምቆት ዝተዘተየሎም ጉዳያት ከም ዝኾኑ ሓላፊ ቺፍ ካብኔ ሴክሬታሪያት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ኣማኑኤል ኣሰፋ ሓቢሮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ሉዓላዊ ግዝኣት ትግራይ ሰፊሮም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ገበናት ይፍፅሙ ምህላዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ብሓይሊ...

ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ከተማ ኣክሱም ብሰንኪ ኵናት ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕናወንን ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ብዘይ ምምላሶምን ከቢድ ስእነት ናዊቲ ትምህርቲን መምሀሪ ክፍሊን ከምዘጋጠሞ ገሊፁ፡፡

0

ተምሃሪት ኣርያም ኣሰፋን ተምሃራይ ኤልያስ ፍስሃፅዮንን ኣብ ከተማ ኣክሱም ምሉእ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወይዘሮ ጣጡስ ተምሃሮ 8ይ ክፍሊ እዮም፡፡ እዞም ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብዝተፈፀመ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ካብ ትምህርቶምን ዕላማኦምን ተዓናቒፎም ግዳይ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ኮይኖም ከምዝፀነሑ ይዛረቡ፡፡ እዞም ተምሃሮ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተጀሚሩ ብዘሎ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንሰለስተ ዓመታት ዝተቋረፀ ትምህርቶም ብምቕፃል ተማሂህሮም ህዝቦምን ዓዶምን ንምግልጋል ልዑል...