ድሮ በዓል ሆሳእና ኣብ ርእሰ ኣድባራት ወገዳማት ኣኽሱም ማርያም ፅዮን

0

ንኣሽሓት ዓመታት ከም በዓል ጥምቀት፣ ሕዳር ፅዮን፣ማርያ፣ሆሳእናን ካልኦት ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታዊ በዓላት እናኽበረት ክሳብ ሐዚ ቀፂላ ዘላ መበቆል ጥንታዊ ስልጣነን መናገሻ ታቦተ ፅዮን ዝኾነት ጥንታዊት ከተማ ኣኽሱም ንዝሓለፉ ዓመታት ማእኸል ስሕበት ቱሪዝም ኮይና ፀኒሓ ኢያ። እንተኾነ ግና ኣብ 2013 ዓ/ም ወረርቲ ሓይልታት ናብ ትግራይ ኣትዮም ከቢድ ገበን ጀኖሳይድ እንትፍፅሙ ከተማ ኣክሱም ብርክት ዝበሉ ካህናት ዝርከብዎም ልዕሊ 1000 ነበርታ ኣብ ሓንቲ...

ተመዛበልትና ኣብ ሓፂር ግዜ ናብ መረበረብቶም ክትምለሱ ንሰርሕ ኣሎና።

0

ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳን ካልኦት ኣመራርሓን ኣብ ከባቢ 70 ካሬ መቐለ ተዓቍቦም ዝርከቡ ተመዛበልቲ ተዘዋዊሮም ህልዉ ኩነታቶም ተዓዚቦም። እቶም ተመዛበልቲ መድሓኒት ኮነ ሰብኣዊ ሓገዝ ብእዋኑ ስለዘይበፅሖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ተደራራቢ ፀገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ነቲ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገሊፆምሉ። እቲ ዘለናሉ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝፍታሕ ናብ መረበትና እንትንምለስ ኢዩ ዝበሉ እቶም ተመዛበልቲ ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር...

ሓገዝ ንዉግኣት

0

ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ማሕበር ማእገር tdf ንዉግኣት ቐለብ ዝኸዉን 52 ኩንታል ፊኖ ሓጊዞም፡፡ ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብሩ ተጋሩ ማሕበር ማእገር tdf ምእንተ ህልዉና ትግራይን ተጋሩን ክብሉ ኣብ  ቓልሲ ቖሲሎም  ኣብ ሕክምና ንዝርከቡ ጀጋኑ ኣባላት  ሰራዊት ትግራይ ሓገዝ ዝዉዕል 52 ኩንታል ፊኖ ብመንገዲ  ትካል ስራሕቲ ምልላይ ቤተ ህፃናት ዊንታና ኣቢሎም ከም ዝሓገዙ ኣካያዲ ስራሕ ቤተ ህፃናት ዊንታና ግርማይ ኪዳነ ገሊፁ፡፡ ነቲ...

ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መቐለ ኣትዩ።

0

ብፕሬዚደንት ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ልኡኽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበሮ ፃንሒት ስራሕ ዛዚሙ መቐለ እንትኣቱ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ እንትበፅሕ ኣቀባብላ ተገይርሉ።እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝነበሮ ፃኒሒት ልዕሊ ሓደ ሰሙን ኣብ ዙርያ ከይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ፣ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ካልኦት ወሰንቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቶም ምስ መንግስቲ ፌደራልን ሰብ ሃፍቲ ትግራይ ነበርቲ...

0

ኤርትራ ቀፃሊት ሓደጋ ሰላም ትግራይ- ኢትዮጵያ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብሰንኪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከይዝረግ ከቢድ ስግኣት ኣሎ ፡፡ African Defense Forum Magazine ኣብ መንጎ መንግስታት ትግራይን ኢትዮጵያን ዝተበፅሐ ስምምዕነት ዘላቒ ተኸሲ ደው ምባል ተስፋ ዝህብ እኳ እንተኾነ፤ ብመንግስቲ ኤርትራ ከይዝረግ ልዑል ስኽፍታ ፈጢሩ ምህላዉ ፎረም ምክልኻል ኣፍሪቃ Africa Defense Forum (ADF) ዝተብሃለ ጋዜጣ ኣጋሊፁ፡፡ ኣብ ጉዳይ ፅጥታ፣ ሰላም፣ድሕንነትን ሰናይ ምምሕዳርን ኣፍሪካ ዘድህብ ጋዜጣ Africa...

“ትግራይ ከመይ ነላልያ”

0

ማህደር ጥንታዊ ስልጣነን ጅግንነትን ዝኾነት ትግራይ ካብቲ ገጢምዋ ዘሎ ዉድቀት ተላዒላ ዳግም ክትህነፅ ኣብ ዝግበር ስሙር ወፍሪ ኣብ ምልላይን ምልማዕን ፀጋታትን ክብሪታትን ትግራይ ብዕቱብ ክንሰርሕ ከም ዝግባእ ተሓቢሩ ፡፡ ብኣሳናዳእነት ዝተፈላለዩ ትካላት "ትግራይ ከመይ ነላልያ" ብዝብል ዛዕባ ኣብ ከተማ መቐለ ዘተ ተሳሊጡ፡፡ ትግራይ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ፅዕፁዕ መኸተ ልፍንታዊ ጀኖሳይዳዊ ወራር ፀኒሓ ኢያ፡፡ በዚ ኣዕናዊ ጀኖሳዳዊ ኵናት እዉን...

ዋዕላ ወፍሪ ክታበት

0

ካብ 18 መጋቢት 2015 ዓ/ም ክሳብ 29"" መጋቢት 2015 ዓም አብ ትግራይ ንዝሳለጥ ዝተዋደደ ወፍሪ ክታበት ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ሰብ ሞያ ሚድያን ዋዕላ ይሳለጥ አሎ። እቲ ብምሕትብባር ቢሮ ጥዕና፣ማረትን ዩንሴፍን ዝሳለጥ ዘሎ ዘተ ሰብ ሞያ ሚድያን መራሕቲ ሃይማኖትን ሕብረተሰብ ብምልዕዓልን ከጋጥሙ ዝኽእሉ ዝተሰሓሓቱ ዝንባለታት ንምእራምን ሓገዝቲ ብምኳኖም አድላይ ከምዝኾነ አብቲ ዋዕላ ብመፅናዕቲ ቀሪቡ እዩ። እቲ ወፍሪ ብምትሕብባር ቢሮ...

ስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ነበርቲ ወረዳ ኣስገደ

0

ኣብ ዞባ ሰሜን ዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ጣብያ ማይ በርበሃ ብመቐደላን ዋልያን ዝተበሃሉ ጉጅለ ፋኖ ኣምሓራ ብግፍዒ ንዝተቐተሉ 84 ሰላማዎያን ወገናት ስነ-ስርዓት ካልኣይ ቀብሪ ተፈፂሙ። ኣብታ ወረዳ በቶም ግፍዓውያን ሓይልታት ማእለያ ዘይብሉ ዝተፈፀመ እንትኾን በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኣብቲ ከባቢ 81 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝተዓመፃ ምምሕዳር ወረዳ ኣስገደ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ድማ ተስፋሕፋሕቲ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ከባቢ ካብ ዝርከብ ሕ/ሰብ ልዕሊ 25 ሽሕ እንስሳትን...

እዋናዊ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ

0

ህዝብን መንግስትን ትግራይ "ስርዓት ይከበር፣ መሰል ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ክጥሓስ የብሉን" ዝብል ህዝባዊ እምነትን መትከልን ብምሓዞም ጥራሕ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ልዕሊኦም ማእለያ ዘይብሎም በደላትን ግፍዕታትን እናበፅሖም መፂኡ እዩ። ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሐ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝኾነ ሓሳረ መንከራ ንምምካት እውን ብዝገርም ፅንዓትን መስተንክራዊ ጅግንነትን እናተረባረቡ ድሕሪ መፅናሕ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም ናብ መስርሕ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኣትዮም ይርከቡ። ህዝቢ...

ኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ  ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም

0

---- ሓይልታት ፅንተት ኣብ መሬት ትግራይ ዝቐበርዎም ተፈንጀርቲ ኣፅዋራት ሕዚ እውን ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ሰባት ሓደጋ ሞትን መቑሰልትን የውርዱ ምህላዎም ተሓቢሩ፡፡ ዛጊድ ኣብ 13 ከተማታትን ወረዳታትን ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ነታጒ ድማ ልዕሊ 470 ሰባት ግዳይ ሞትን ከቢድ መጉዳእትን ኮይኖም ኣለው፡፡ ማእለያ ዘይብለን ሃገራት ኢደን ዘእተዋሉን ገንዘባውን ኣፅዋራውን ደገፍ ዝገበራሉን ተደጋጋሚ ኲናት ጀኖሳይድ ትግራይ ኣብ ዓለምና ካብቶም ብቐዛፍነቶም ኣብ ቕድሚት ዝስርዑ ደማዊ...