Home ዜና ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒታት ፆታዊ ዓመፅ...

ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሕ ግፍዒታት ፆታዊ ዓመፅ ዝሰነደት መቃኒት ዘርእስታ መፅሓፍ ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ኖርዝስታር ተመሪቓ።

542

እታ ብመምህር ብርሃን ገብረክርስቶስን ሲስተር ሙሉ መስፍንን ዝተፀሓፈት መፅሓፍ መቃኒት፡ ጀኖሳይዳውያን ሓይልታት ኣብ ትግራይ ልፍንታዊ ወራር ኣብ ዝፈፀምሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝፈፀምዎ ዘስካሕክሑ ግፍዒታት ፆታዊ ዓመፅ ዝሓዘት ኮይና ሚስጢራዉነት ግዳያት ንምግዳብ ኣብ ኣሽማትን ኣድራሻን ለዉጢ ብምግባር ተቃላዓይነት ሰብ ዛንታን ስድራ ሰብ ዛንታን ክዕቀብ ተገይሩ ዝተፀሓፈ ከም ዝኾነ ኣብ ስነ-ስርዓት ምርቓ ተሓቢሩ።

ነቲ መፅሓፍ ዝመረቑ ዶ/ር ሙሉጌታ ገ/ህይወት ጫልቱ ተጋሩ ክሳብ ሐዚ ዝበፀሐና ጥቕዓትን ጉድኣትን በዝግባእ ኣይፈለጥናዮን በሉእሞ ስለዚ መፅሓፍ መቃኒት በዚ መዳይ ነዚ መንቅሒት ከምዝኾነት ብምሕባር ኣብቲ መፅሓፍ ዝቐረባ ግዳያት ግፍዒ ውሕዳት ግን ድማ ንብዙሓት ይውክላ እየን ኢሎም።

ሕውየትን ፍትሕን ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ እቶም ወረርቲ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮና ዝረጋገፅ ድማ ዝበፀሐን ግፍዒን በደለን ብዝግባእ ተረዲእና ኣብ ጎነን ኮይና ሞራል እንትንኮነን ኢዩ ኢሎም ዶ/ር ሙሉጌታ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ዝገበራ ዶ/ር ምሕረት በየነ ድማ ዶ/ር በየነ ብሰንኪ ሓይልታት ፅንተት ዝፈፀምዎ ግፍዕታት ማእለያ የብሉን፣ እዚ ከቢድ ግፍዒ እዚ ፅባሕ ከይድገም እዚ መፅሓፍ ምስናዱ ታሪኻዊ ምዃኑ ብምግላፅ ሕዉየት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ፡ ፍሉይ ትኹረት ተዋሂቡዎ ክስረሓሉ ከምዝግባእ፡ መፅሓፍ መቃኒት ብዙሕ መርትዖታት ዘቕረበት ምዃና ሓቢረን።

እዛ ሓቅታት ግዳያት ፆታዊ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝሓዘት መፅሓፍ፤ ሰብ ታሪኽ ቓንዝአን ዘዘንትዋሉ ሓቅታት ብምሓዝ ንስምዒት ካልኦት እውን ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ዘስካሕክሕ ተግባር ከይርሳዕን ዳግም ከይድገም ብዝገልፅ ተዳልዩ ከምዘሎ ፀሓፊት መምህርት ብርሃን ገ/ክርስቶስ ሓቢራ።

ናይዘን ታሪኸን ክዝንቶ ዝተሓረያ ግዳያት፤ ዕድመ፣ ሃይማኖት፣ ማሕበረሰባዊ ክብርታት ከይፈለየ ዝበፅሐ ዝተፈላለየ መግለፂ ዘለዎ ገበናት ንምርኣይ፤ እቶም ፆታዊ መጥቃዕቲ ዘብፅሑ ኣካላት ዝፈፀሙዎ ገበን ንምቅላዕ ዝተሓረዩ ታሪኻት ዘካተት መፅሓፍ ምዃኑ ዝገለፀት ድማ ፀሓፊት ሲስተር ሙሉ መስፍን ኢያ።

ካብዘን በወታደራት ሓይልታት ፅንተት ብጭካነ ዝተደፈራ ካብ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ክሳብ 77 ዝዓመተን እማሆይ ዝበፅሐ በደል፤ ገበን ጀኖሳይድ ስለ ዝኾነ እቲ መጥቃዕቲ ናይ ዕድመ ኣፈላላይ ዘይነበሮ ኮነ ኢልካ ብትልሚ ዝተፈፀም ኣስካሕካሒ ተግባር ምዃኑ ዝሰነደት መፅሓፍ ከምዝኾነት እዉን ተገሊፁ።

ኣበባ ፅጋቡ