Home ዜና ትካል ገባሪ ሰናይ ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣብ መኸተ ሓደጋ ጥሜት

ትካል ገባሪ ሰናይ ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣብ መኸተ ሓደጋ ጥሜት

1017

ትካል ገባሪ ሰናይ ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣብ 8 ወረዳታት ዞባ ማእኸልን ምብራቕን ትግራይ ብ 150 ሚልዮን ብር ንልዕሊ 4 ሽሕ ገባራት እታዎታት ሕርሻን እኽልን ብምቕራብ ዉሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ካብዚ እቲ 65 ነጥቢ 4 ሚልዮን ብር ኣብ ኣርባዕተ ወረዳታት እንዳባፃሕማ፣ማይቅነጣል፣ ጋንታኣፈሹምን ሱብሓ ሳዕስዕን ንዝተፀገሙ 2 ሽሕን 234 መራሕቲ ስድራ ንምግቢ መዕደጊ ሓገዝ ከምዝኾነ ኣብ ትካል ገባሪ ሰናይ ሴቭ ዘ ቺልድረን ኣተሓባባሪ ፕሮጀክት ምርግጋፅ ዉሕስና ምግብን መነባብሮን ኣይተ መሓሪ ተኣምራት ዕላዊ ገይሮም።

እቲ ትካል ምስ ኣመራርሓ እተን ወረዳታት ኣብ ከይዲ ምልመላን ፍታሓዊ ኣዋህባ ሓገዝን ዘተ ዘካየደ እንትኾን ኣብ ሓደጋ ጥሜት ዘሎ ህዝቢ ቐልጢፉ ህይወቱ ንክድሕን ኣካላት ኣመራርሓ ቕልጢፎም ሓገዝ ዘድልዮ ህዝቢ ክምልምሉ ፀዊዑ።

ኣብ ፕሮጀክታት ትምህርቲ፡ጥዕናን ማይን ዝነጥፍ ትካል ገባሪ ሰናይ ሴቭ ዘ ቺልድረን ቅድሚ ሕዚ ዝወሃብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁን ልዕሊ 89 ሚእታዊ ህዝቢ ትግራይ ቅልጡፍ ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ ብርኪ ብምብፅሑ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣይተ መሓሪ ተኣምራት ሓቢሮም።

እቶም ኣመራርሓ ወረዳታት ብወገኖም እቲ ትካል ዝህቦ ሓገዝ ብዝግባእ ናብ ዝተፀገመ ህዝቢ ከምዘባፅሑን ህፁፅ ሓገዝ ዝህቡ ዝነበሩ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ነቲ ኣብ ህዝቢ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ጥሜት ተረዲኦም ሓገዞም ከቐፅሉ ፀዊዖም።

ገ/መድህን ተወልደመድህን