Home ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 5.1 ሚልዮን ህዝቢ ብምምዝባል ዝኸፍአት ሃገር...

ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራይ ልዕሊ 5.1 ሚልዮን ህዝቢ ብምምዝባል ዝኸፍአት ሃገር ኮይና፡፡

1294

ንዓለም ለኸ ትካል ተመዛበልቲ ብምጥቃስ NPR ከም ዝፀብፀቦ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኣቆፃፅራ ፈረንጂ 2021 ብሰንኪ ኲናት 5.1 ሚልዮን ህዝቢ ብምምዝባል ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ፡፡ ኣብ’ቲ ዓመት ካብ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ህዝቢ ዘለወን ሓዊሱ ዝኾነት ዓዲ ክንዲ ናይ ኢትዮጵያ ዝኣክል ተመዛባላይ ኣየመዝገበትን ዝበለ NPR፤ እዙይ ዝኣክል ህዝቢ ብሰንኪ ግጭት ከባቢኡ ገዲፉ ምምዝባሉ ከቢድ ፃውራ ምዃኑ ገሊፁ፡፡

ምኽንያት ምምዝባል ኢትዮጵያዊያን፤ ብሕገ-መንግስቲ ዝተረጋገፀ መሬት ክልላት ጥሒስካ ዝተገበረ ዓመፅን ወራርን ምዃኑ ዝሓበረ NPR፤ ጎበጣ ምዕራብ ትግራይ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ህዝቢ ዞባ ምዕራብ ትግራይ መረበቱ ገዲፉ ኣብ ቤት ትምህርቲታትን ጣብያታት ጥዒናን ከፅልል ከም ዝተገደደ ኣመላኺቱ፡፡

ኲናት ኢትዮጵያ ዜጋታት እታ ሃገር ልዕሊ ሓደን ክልተን ግዜ ክመዛበሉ ምግባሩ ዝጠቐሰ ዓለምለኸ ትካል ተመዛበልቲ፤ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ኢዱ ምእተዉ ድማ ስቓይ ዜጋታት ኣብ ምውሳኽ ዝለዓለ ግደ ከም ዝተፃወተ ኣመላኺቱ፡፡