Home ዜና ሃገር ለኸ ኤግዚብሽንን ባዛርን

ሃገር ለኸ ኤግዚብሽንን ባዛርን

384

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ መስከረም 24-30/2016 ዓ/ም ጀሚራ ሃገር ለኸ ኤግዚብሽንን ባዛርንክሳለጥ እዩ።

ኣካቢ ኑኡስ ኮሚቴ ምልዕዓልን ፕሮሞሽንን ኣይተ ሓዱሽ ካሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ሰላምና ነፅንዕ ዝዓነወት ትግራይ ዳግም ንህነፅ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ  ሃገር ለኸ ኤግዚብሽንን ባዛር ከምዝሳለጥ ብምሕባር እቲ ኤግዚብሽንን ባዛርን ድማ ብኲናት ዝዓነዋ ኢንዱስትሪ ትግራይ መፍረይቲ ኣካላትን ንምንቕቓሕዝዓለመ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ብምትሕብባር ሚኒስተር ኢንዱስትሪ ፌደራል፣ ቢሮ ኢንዱስትሪን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ዝዳሎ ዘሎ ሃገር ለኸ ኤግዚብሽንን ባዛርን 250 መፍረይትን ነጋዶን ክሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር እዉን ኣይተ ሓዱሽ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ማሕበረ ቁጠባዊ ቅልዉላዉ ክወፅእ እቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ሃገር ለኸ ኤግዚብሽንን ባዛርን ዝላዓለ ግደ ኣለዎ ዝበሉ ኣይተ ሓዱሽ ብፍላይ ትካላት ኢንዱስትሪ ትግራይ ዳግም ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ ዝሓሸ ምንቅቓስ ንግዲ ዘለዎም መፍረይቲ ትካላት ምትእስሳር ዕዳጋ ዝፍጠረሎም እዩ ኢሎም።