Home ዜና ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ

ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ

580

ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ

ከቢድ እዋን ፅንተትን ገልታዕታዕ ስደትን ሰጊሮም መሬት እስራኤል ዝረገፁ ናይ መጀመርያ ሰፈርቲ ብድኽነት ዝተጓሳቀሉ መሬቶም ንሕርሻ ዘይጥዕም ምድረ በዳ ሕፅረት ማይ ዝነበሮን ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ ይሕብሩ:: ሽዑ ናይ መወዳእታ ታሪኾም ከምዚ ሕዚ ዘለውሉ ዝተፈለየ ክኸውን እዩ ኢሉ ዝገመተ ኣይነበረን:: ይኹን ምበር ድሕሪ ነዊሕ ታሪኻዊ ጉዕዞ ህንፀት ሃገር እስራኤል ተስፋኣልቦ ምድረበዳን ድኻን ኣይኮነትን፡፡

እዚ ከመይ ክኸውን ክኢሉ ኢሉ ይሓትት ፀሓፊ ሼሞን ፔሬዝ ኣብታ’ no room for small dreams ‘እተሰምየት ጉዕዞ ህንፀት ሃገረ እስራኤል ድሕሪ ፅንተት እተዘንቱ መፅሓፉ:: እቲ መልሲ ኣብዚ ኣሎ ይብል ቀፂሉ ብኸቢድ ፈተና ምሕላፍና ኣብ ስራሕን ልምዓትን ክንፅመድ ዕድል ፈጢሩ፡፡ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዘይብልና ምኳና ድማ ኩሎም ተስፋታት ምስ ምህዞን ፈጠራን ክተኣሳሰር ጌርዎ ፡፡ ዕድል እቶም ናይ መጀመርያ ሰፈርቲ ‘ምጥማይ ወይ ምዕዋት ‘ ስለዝነበረ ድማ እቲ ጉዳይ ናይ ሞትን ሕየትን ኮይኑ፤ ካብ ምዕዋት ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ ኣይነበሮምን ይብል። ስለዚ ድማ ኣያታትና እኽሊ ከብቁል ምስዘይኽል መሬት ተቓሊሶም ተኽልታት ተኺሎም ፍረታት ኣፍርዮም፤ ኣብ ሓሸዋን ከውሕን ዒላታት ኩዒቶም ማይ ኣውፂኦም፤ ምስ ምድረበዳ ገጢሞም ተዓዊቶም፤ ንበረካ ትንፋስ ዘሪኦም፡፡ ብምባል እስራኤላውያን ካብ ፈታኒ ኩነታት ወፂኦም ከባቢኦም ንምልማዕ ዝኸድዎ ርሕቀትን ዕውትነቱን የረድእ፡፡

እዚ ትግራይ ምስ ዝሓለፈቶን ትሓልፎ ዘላን ሓርጎፅጎፅ ተመሳሳልነት ዘለዎ ዛንታ ትግራይ ምስ ዘለዋ ዝሓሸ ፀጋታት ተፈጥሮ፤ ሰፊሕ ተሓራሳይ መሬት፤ ሃፍቲ ማይ ከርሰ መሬትን ዝሓሸ ባህሊ ስራሕን ብምንፅፃር ብዙሕ ትምህርቲ ክውሰዶ ዝኽእል እዩ፡፡ ኣብ ባዕልኻ ኣብ መሬትካ ኣብ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኢሉ ውን ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮ እንተተሰሪሑ ምልዋጥ ዝከኣለሉ ዕድል ዕፅው ዘይምካኑ ውን ዘአንፍት እዩ፡፡ እቲ ሐዚ ትግራይ ትዓሞ ዘላን ዒስራ ማዓልታት ዝቕፅልን ሰፊሕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ተስፋ ወሃቢ ዝገብሮ ውን ነዚ እዩ፡፡

ንተሞክሮ ዕቀባ ሓመድን ማይን ኢሉ ውን ሃስያ ኲናት ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ዝዳህሰሰ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትግሃት ዝሰፈረ ፅሑፍ ከምዘመልክቶ መሬት ትግራይ ቅድሚ ክልተን ሰለስተን ክፍለ ዘመን ኣቢሉ ብሕርሻዊ ማእቶቱ ዝደንፍዐ ፅቡቕ ምህርቲ ዝሕፈሶ ምንባሩ መዛግብቲ ታሪኽ ዝምስክርዎ ምዃኑ እዩ፡፡ ከምቲ ወረርትና ዝብልዎ ኣኽራናት ትግራይ ተፈጥሮ ዝበደለቶም እንትርፊ እምኒ ካልእ ዘይብሎም ብዕሩቆም ዝተፈጠሩ ድርቅን ሓርን ዝመለለይኦም ገይሩ ዝሓስብ እንተሃልዩ ድማ ታሪኽ ይመርምር ይብል፡፡ ኣብ መወዳእታ 18 ክ/ዘበን ናብ ትግራይ ዝተጉዓዘ ስኮትላንዳዊ ዳህሳሲ ጀምስ ብሩስ ኣብቲ እዋን ይነብሩ ዝነበሩ ሓረስቶት ትግራይ ብዘይዝኾነ ይኹን መሰሰኒ ምህርቲ /ዱኽዒ/ ኣብ ዓመት ሰለስተ ግዜ የፍርዩ ምንባሮም ምጥቃሱ ድማ የረድእ፡፡

ይኹን ምበር ተፈጥሮ ፀጋታት ዘልበሰታ ትግራይ ተደጋጋሚ ዓውደ ኲናት እናኾነት ብምምፅኣ ሃፍቲ ተፈጥኣ እናተመናመነ ምምፅኡ ምልከትኡ የቐምጥ፡፡ ኵናት ዘስዓቦ ብርሰት ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል ዩ ዝብል ንምምላስ መፅናዕቲ ዘድሊ እኳ እንተኾነ መሬት ትግራይ ብቀደሙ ሃፍታምን ልሙዕን ኮይኑ እንተብቅዕ ከመይ ኢሉ ናብዚ በፂሑ ኢልካ ምስትንታን ግን ንቐፃሊ ኣንፈትና ወሳኒ ኣብ ልዕሊ ምካኑ ድሕሪ ኲናት ንዝህሉ ዕማም ዳግመ ህንፀት’ውን ሓጋዚ እዩ ይብሎ፡፡

ሓደ እዋን ንኵናት ትግራይን ኣብ ዝተባባዕ ብርኪ በፂሑ ዝነበረ ምሕዋይ ሃፍቲ ተፈጥሮን ዕቀባ ሓመድን ማይን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ፅሑፍ ንኣንበብቲ ኣቕሪቡ ዝነበረ መርበብ ሓበሬታ ዘ ኮንቨርዜሽን ብግዲኡ ሓረስታይ ትግራይ ን30 ዓመታት ለፊዑ ዘልምዖ መሬት ሽፋን ደኑ ካብ 3 ሚእታዊ ናብ 17 ሚእታዊ ክዓቢ ክኢሉ ነይሩ እዩ ዝበለ እንትኾን ብዝተካየደ ኵናት ፅንተት ግን ካብ ሰብኣዊ ክሳራ ሓሊፉ ሃፍቲ ተፈጥሮ ትግራይ’ውን ከመይ ከምዘባደመ ኣብ ፀብፃቡ ኣካቲቱ እዩ፡፡ ንምሁራት ስነ ኸባቢ ተወኪሱ ድማ ኣብ ሓመድ ኣግራብን እንስሳታትን ትግራይ ዝወረደ ዕንወት የርኢ፡፡

በዚን ወዲኸምዝን ዝተሃሰየ መሬት ትግራይ እዩ’ምበኣር ክለምዕን ክሓውን ተስፋ ተነቢሩ ናብ ስራሕቲ ዕቀባ ሓመድን ማይ ምእታው ናይ ግድን ኮይኑ ዘሎ፡፡ ዝተሓለፈ ከቢድ እዋን ፅንተት በቲ ሓደ ገፅ ዘለናሉ ኣሰካፊ ኩነታት ድርቅን ጥሜትን በቲ ድማ ካልእ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮን ልምዓትን መሰረት ጌርካ ምስራሕ ወሳኒ ምካኑ ይእመን፡፡

እዚ ልዕሊ 1 ሽሕ መፋሰሳት ብምፅናዕ 70 ሽሕ ዝኣክል ዕዮታት ጉጅለ ወዲብካ ልዕሊ 53 ሽሕ ሄክታር መሬት ብልምዓት ክሽፈን ትልሚ ተታሒዙ ልዕሊ 800 ሽሕ ህዝቢ ከቲትሉ ዘሎ ን20 ማዓልቲ ዝፀንሕ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን ዘላቒ ቁጠባዊ ውሕስና ዝረጋገፀሉ እንኮ መዋፅኦ ምኻኑ ተኣሚልሉ ኣሎ፡፡ ድሕሪ ኵናት፤ ድርቅን ጥምየትን ክምከት ምህርቲ ክስስን ኩሉ ዓቕምና ኣዋዲድና ንኣትዎ ዘለና ወፍሪ ስለዝኾነ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ እዩ’ሞ ኣብ ሽንጥሮታትና ንዕሰል ዓርሰ ምርኮሳና ነበርኽ እዩ እቲ ዝብሃል ዘሎ፡፡

ብተደጋጋሚ ዓውደ ኲናት እናኾነት ዝመፀ መሬት ትግራይ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክመናመን ምኽንያት ኮይኑ እዩ፡፡ ኣብ ርእሲ እዚ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝከናኸን ፖሊሲ መንግስቲ ብዘይምንባሩ ትግራይ ብፍግረ መሬት እናተጠቕዐት መፂኣ እያ፡፡ ድርቂ 1977 ዓ/ም ድማ መርኣያ ናይዚ እዩ፡፡ ይኹን ምበር ኣብቲ እዋን’ውን እንተኮነ ሓራ መሬት ኣብ ዝነበረ ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ኢዱ ክላሽን ብሓደ ኢዱ ባዴላ ሒዙ ድርብ ዕላማ የዕውት ምንባሩ ታሪኽ ይምስክር፡፡ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ጎናጎኒ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተጋደልቲ ትግራይ መባእታዊ ክልሰ ሓሳብ ዕቀባ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክወስዱ ይግበር ነይሩ፡፡ እዚ ተሞክሮ ዚ እናዓበየ መፂኡ ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ ካብ ዝተዓመሙ ዕውታት ስራሕቲ ክኸውን ክኢሉዩ ወፍሪ ዕቀባ ሓመድን ማይን፡፡ እዚ ዕውት ስራሕቲ መነባብሮ ሕ/ሰብ ካብ ምምሕያሽ ሓሊፉ ዝተውሃቦ ዓለምለኻዊ ክብርን ኣፍልጦን’ውን ብቐሊሉ ዝርአ ኣይኮነን፡፡

እዚ ተሞክሮ ሰረት ብምግባር ሓዚ’ውን ተፈጥሮኣዊ ሰብሰራሕ ሓደጋታትን ብትሉም ፀገማትን ዝባደመ መሬት ትግራይ ክሓዊ እንተተሰሪሑ ካብቲ ገጢሙ ዘሎ ፀገም ዘይውፅአሉ ኩነታት ስለዘየለ ድማ እዩ ኣብ መሬትና ንዕሰል ዝባሃል ዘሎ፡፡ ብዝተፈላለዩ ፀጋታት ተፈጥሮ ኣብ ዝተዓደለት ትግራይ ማይ ተተርኢስካ ዝናብ ክራማት ምቁማት’ውን እቲ ካልእ ክሕሰበሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።

ብሓፈሻ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቅን ጥሜትን ንምምካት ብኲናት ዝባደመ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምሕዋይን ዓርሰ ሙርኮሳ ንምብራኽን ኢሉ’ውን እናወሰኸ ይመፅእ ዘሎ ዋዒ ኩነታት ኣየር ንምቁፅፃርን ህሉው ኩነታት ትግራይን ወፍሪ ሓመድን ማይን ንምክያድ ኣብ ዘገድደሉ ኩነታት ተበፂሑ ስለዘሎ እዚ ወፍሪ ብዕውት ኣገባብ ንክሳለጥ ልዑል ትኹረት ይጠልብ፡፡

ብዮርዳኖ ገ/ስላሴ