Home ዜና ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ማረት

ህንፀት ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ማረት

449

ሓረስቶት ወረዳታት ቀይሕ ተኽልን እንደርታን ብማረት ተሓጊዞም ኣብ ልምዓት መስኖ ተዋፊሮም ይርከቡ፡፡

ሓረስቶት ወረዳታት ቀይሕ ተኽልን እንደርታን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ እትሃንፀሎም ብዘላ ፕሮጀክታት ህንፀት ማይ ኣብ ልምዓት መስኖ ተዋፊሮም ዓርሰ ምርኮስኦም ንምርግጋፅ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዘለዉ ገሊፆም ፡፡

ቅድሚ ዓመታት ሓረስቶት ንከልምዑ 162 ሚልዮን ብር ተመድብሎም ይስርሑ ዝነበሩ ብኲናት ተቛርፆም ዝፀንሑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት መሰረተ ልምዓት ማረት ዳግም ትሃንፆም ከምዘላን ኣብ ቐረባ እዋን ህንፀቶም ዛዚሞም ንሓረስቶት ግልጋሎት ከምዝህቡን ድማ ተሓቢሩ ፡፡

መንእሰይ ገ/ሂወት ተርሲትን መንእሰይ ገብረ ኣሳይን ነበርቲ ወረዳ እንድርታ ጣብያ ማሕበረ ገነት እዮም ፡፡ እዞም መናእሰይ ኣብ ከባቢና እኹል ማይ ዋላእኳ እንተነበረ ንዘመናት ንልምዓት መስኖ ከይተጠቐምናሉ ፀንሕና ኢና ይብሉ ፡፡ ይኹን እምበር ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ልዕሊ 3 ኪሎ ሜትሮ ትሃንፆ ብዘላ ህንፀት ፕሮጀክት ከናል ተጠቕምና  ብምልማዕ ንካልኦት እውን ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ይገልፁ ፡፡

መንእሰይ ገ/እግዚእ ገ/መድህንን ሃፍታይ ገ/ስላሴን ድማ ነበርቲ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ጣብያ ውህደት እዮም ፡፡ እዞም መናእሰይ ስራሕቲ ሕርሻ እናሳለጡ ረኽብናዮም ፡፡ ኣብ ከባብኦም  ዓመት ሙሉእ ዝውሕዝ ሩባ ኣብ ኣፍ ሕርሽኦም ዋላ እኳ እንተሃለወ ብሰንኪ ዓቕሚን ግንዛበን ንዘመናት ናብ ልምዓት ብዘይምልዋጦም ማይ ተነፂፎም ንጥሜት ክቃዕልዑ ምፅንሖም ይገልፁ ፡፡  ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብዝሃበቶም ግንዛበን እትሃንፆ ብዘላ ዓብዪ ፕሮጀክትን ስራሕቲ ልምዓት ንምስላጥ ኣብ ምድላው ንርከብ ኢሎም ፡፡ 

እተን ብማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ዝህነፃ ዘለዋ ፕሮጀክትታት ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ህንፀተን ጠጠው ኢሉ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ መሃንድሳት እተን ፕሮጀክት ኣይተ መብራህቶም ግርማይን ወልደ ምህረት ተስፋልደትን ኣብዚ ሐዚ እዋን ሓረስታይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ድርቂ ንምቅላል ስፍሕ ዝበለ ሄክታር ከልምዓ  ዝኽእላ ፕሮጀክትታት ህንፀተን 70 ሚኢታዊ  በፂሑ ይርከብ ኢሎም፡፡

ማረት ሓረስቶት ብልምዓት መስኖ ዓርሰ ምርኮሳኦም ንምርግጋፅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ልዕሊ 162 ሚልዮን ብር መዲባ ህንፀት ፕሮክታት መስኖ ኣብ ምስላጥ ትርከብ ዝበሉ ድማ  ኣብ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ሓላፊ ኮንስትራክሽን ልምዓት መስኖ ኣይተ ነፃነት ኻልኣዩ እዮም ፡፡

 ብበላይ ሽፈራው