Home ዜና ህዝቢ ትግራይ ሓጋጢሙዎ ዘሎ ጥምየት ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ጉዳይ እዩ-ጉጅለ ልኡኽ ቤት...

ህዝቢ ትግራይ ሓጋጢሙዎ ዘሎ ጥምየት ህፁፅ መፍትሒ ዝጠልብ ጉዳይ እዩ-ጉጅለ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ

1502

ሕልኽላኽ ፀገማት ንዝወለዶ ጥሜት ህዝቢ ትግራይ ህፁፅ ዝኾነ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ክስራሕ ከምዝግባእ ልኡኽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ኣፍሊጡ።

ኣብ ወረዳ እንደርታ ካብ ዝርከብ ልዕሊ 98 ሽሕ ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝጠልብ ምምሕዳር እታ ወረዳ ኣብሪሁ።

ኣብ ወረዳ እንደርታ ነበርቲ ጣብያ እምኒ ኣንከላሉ ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ክልተ ግዜ ጥራሕ ዝናብ ብምርካቦም ዝኾነ ዓይነት ምህርቲ ኣይረኸብናን ኢሎም። በዚ ምኽንያት ድማ ንመስተ ዝኸውን ማይ ኮነ ቀለብ እንስሳ ብዘይምርካቦም ኣብ ዝኸፍአ ጥሜት ከምዘለዉ ይዛረቡ።

ኣማሓዳሪ ወረዳ እንደርታ ኣይተ ብርሃነ የውሃንስ ኣብታ ወረዳ ካብ ዘለዋ 14 ጣብያታት እተን 12 ጣብያታት ብኸቢድ ድርቂ ከምዝተጠቕዓ የብርሁ።

ኣብ ወረዳ እንደርታ ካብ ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ 98 ሽሕ ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ዝጠልብ እኳ እንተኾነ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይረኸቡ ኣይተ ብርሃነ ይገልፁ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዶ/ር ዲማ ኖጎ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሜት ብሕልኽላኽ ፀገማት ዝተፈጠረ ስለዝኾነ ህፁፅ ህይወት ናይ ምድሓን ስራሕ ክውገን ፀዊዖም።

ኣባል ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክባት ወፃእን ሰላምን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ጥሜት ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዘሐዝን ከምዝኾነን ፤ ህልዊ ጥሜት ትግራይ መፍትሒ ንኽረክብ ከም ኣባላት ፖርላማ ብፅሒቶም ንምፍፃም ድልዋት ምዃኖም ሓቢሮም።

ብቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራል ዝተላእኸ ጉጅለ ኣብ ካልኦት ወረዳታት ትግራይ ጥሜት ዝፈጠሮ ሓደጋ ናብ ባይታ ወሪድካ ናይ ምዕዛብ ስራሕ ከምዝቕፅልሉ ዝወፀ መርሃ ግብሪ የረድእ።

ብ ገ/መስቀል ኪሮስ