Home ዜና ህዝቢ ትግራይ ብህፁፅ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርበሉ ዶብ ኣልቦ ሓካይም MSF ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ብህፁፅ ቐረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርበሉ ዶብ ኣልቦ ሓካይም MSF ፀዊዑ።

463

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ዝተቋረፀ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብህፁፅ ክጅምር ዝፀወዐ ኮይኑ እቲ ብዓለምለኻውያን ለገስቲ ትካላት ዝቐርብ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ ደው ምባሉ ኣዴታት፣ ህፃናት ከምኡውን ሕዱር ሕማም ዘለዎም ወገናት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዘለው ገሊፁ። ዳይሬክተር ዶብ ኣልቦ ሓኻይም #MSF ኣብ ኢትዮጵያ ካራ ብሮክስ ይቐርብ ዝነበረ ሓገዝ ደው ምባሉ ብመጠን ሕፅረት ምግቢ ዝተጠቕዑ ቁፅሪ ሰባት ብዕፅፊ ከምዝዓበየ ገሊፀን።

እቲ ትካል ኣብ ወርሒ ጥርን ሚያዝያን ኣብ ከተማታት ሽረን ሸራሮን ኣብ ዝርከባ ትካላት ጥዕና ንኣስታት 8 ሸሕ ጡኑሳትን ሓደሽቲ ወላዳትን ከምዝመርመረ ብምግላፅ፣7.2 ሚኢታዊ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ከምዝተጠቐዓ ከምዘረጋገፀ ገሊፁ። እዘን ኣዴታትን ደቀንን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ኣለዎ ዝበለ ዶብ ኣልቦ ሓካይም እተን ዝተጠቐሳ ትካላት ጥዕና ባዕለን ኣብ ዘካየድኦ ምርመራ 17 ሸሕን 803 ትሕቲ 5 ዓመት ህፃናት ተመርሚሮም ፣21.5 ሚኢታዊ ማእኸላይ ሕፅረት ምግቢ ከምዘለዎም ገሊፁ።ስለዚ’ውን ለገስቲ ትካላት ብህፁፅ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ክጅሙሩ እቲ ትካል ፀዊዑ ኣሎ።