Home ዜና ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፀሖ ኩለመዳይ ማህሰይቲ ንክሓዊ ወለዶ ብዝግባእ ምምሃር...

ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ዝበፀሖ ኩለመዳይ ማህሰይቲ ንክሓዊ ወለዶ ብዝግባእ ምምሃር ወሳናይ እዩ ተባሂሉ።

468

ምጅማር ትምህርቲ ጉዳይ ምድሓን ወለዶ ትግራይ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ መምህራንን ኣመራርሓን ትምህርቲ ኩሉ ዕድመኡ ንትምህርቲ ዝኣኸለ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክኸትት ፀዊዖም፡፡

መህራን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓድሽሆ መምህር ዝናቡ ወልዱን መምህር ኣክሊል መሓሪን ህዝቢ ትግራይ ብኲናት ዝበፀሖ ማህሰይቲ ክሓውየሉ ዝኽል መንገዲ ወለዶ ብዝግባእ ምምሃር እዩ ዝበሉ እቶም መምህራን ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ድማ ኣድላይ ምድላው ይገብሩ ከምዘለው ይገልፁ፡፡

ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ በፅሑ ብዘሎ ዕንወትን ኣብ ሕብረተሰብ ብዘሎ ህልዊ ፀገምን ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ማሕለኻታት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝሓበሩ እቶም መምህራን ነቲ ዘሎ ፀገም ተፃውርካ ትምህርቲ ምቕፃል ግና ወሳኒ ከምዝኾነ ይዛረቡ፡፡

ክምሃር ዝኽእል ተምሃራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለስ ምስ ሕብረተሰብን መምህራንን ብውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ዝገለፁ ርእሰ መምህር ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ዓዲሽሆ መምህር ሓዱሽ ገብረገርግስ ብወገኖም ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝውገን ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ጉዳይ ምድሓን ወለዶ ትግራይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ልዕሊ 11 ሽሕ ተምሃራይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ንምኽታት መደብ ተተሒዙ ከምዘሎ ዝሓበሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ መምህር መሪ ከበደ ነዚ ንምዕዋት ናይ ሕብረተሰብን መድረግቲ ኣካላትን ዝተዋደደ ስራሕ ይጠልብ ኢሎም፡፡

ኣብ ወረዳ እምባ ኣላጀ ካብ ዝርከባ 27 ኣብያተ ምህርቲ እተን 12 ብሓይሊታት ፅንተት ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋ ድማ ካብ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብታደለ ዳኘው