Home ዜና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኲናት ዝወለዶ ዓሚቕ ፀገም ተደራቢ ሓደጋ ድርቂ ንፀላልይዎ...

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኲናት ዝወለዶ ዓሚቕ ፀገም ተደራቢ ሓደጋ ድርቂ ንፀላልይዎ ኣሎ- ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ደ/ር ኢያሱ ኣብራሃ

518

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኲናት ዝወለዶ ዓሚቕ ፀገም ተደራቢ ሓደጋ ድርቂ ንፀላልይዎ ከም ዘሎ ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ትግራይ ደ/ር ኢያሱ ኣብራሃ ገሊፆም።

ደ/ር ኢያሱ ነዚ ዝገለፁ ነቲ  ኣጋጢሙ ዘሎ  ሓደጋ ድርቂ ንምንካይ ግደ ሰግግር ቴክኖሎጂ ኣድሂቡ ሕብረት ንኣሳልጦን ዕብየትን ሕርሻ ዝተባሃለ ትካል ምስ ሰብ ሞያ ሕርሻ ትግራይ ኣብ ከተማ ውቕሮ ኣብ ዝዘተይሉ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ሓደጋ ድርቂ ምድሓን ማለት ምእንተ ህለውኡ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሰማእታት ምድባስ ምዃኑ ዝሓበሩ ደ/ር ኢያሱ ዝናብ ብምዕቃብን ማይ ከርሰ ምድሪ ብምጥቃምን ካብቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ንምድሓን ሰብ ሞያ ሕርሻ ኣብ ጎኒ ሓረስታይ ኮይኖም ድጋፍን ክትትልን ክገብሩ ፀዊዖም።

ኣብ እዋን ቀውዒ ዝሓሸ ዝርገሐ ዝናብ ከም ዝህሉ ትፅቢት ከም ዝግበር ዝሓበሩ ዶ/ር ኢያሱ  ዝባፅሑ ዝራእቲ ቀልጢፍካ ብምእካብ ኣብ ሓፂር ግዚ ምህርቲ ዝህቡ ዝራእቲ ንምሽፍን ምድላው ይግበር ምህላው ሓቢሮም።

ኣተሓባበሪ ትካል ሕብረት ንኣሳልጦን ዕብየትን ሕርሻ ኣይተ ገብረ ገብረፃዲቕ ብሰንኪ ጆኖሳይዳዊ ኲናት ዝበረሰ ቁጠባ ትግራይ ንምንቕቓሕን ድርቂ ዘስዕቦ ጥሜት ንምንካይን እቲ ትካል ትራክተራት ብምቅራብን ንዝተበላሸዋ ዝፅግኑ ሰብ ሞያ ብምስልጣንን ኣብ ሽግግር ቴክኖሎጂ ግድኡ ከም ዘበርክት ኣረጋጊፆም።

ብርሃነ መስፍን