Home ዜና ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለመደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሐዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ...

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለመደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሐዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ የድሊ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

287

ሚኒስተራት ዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ ዝመርሑ ስብ መዚ ፌደራል ንዕላው ዑደት ስራሕ መቐለ ኣትዮም።

 ሚኒስትሪ ሚኒስተር  ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዶ/ር ኦርጉጌ ተስፋየ፣ ሚኒስትሪ ሚኒስተር እቶት ወ/ሮ ኣይናለም ንጉሴ  ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩክ ኣይተ ደበሌ ቀለታ ዝርከብዎም ስብ መዚ ፌደራል ንዕላው ዑደት ስራሕ ከተማ መቐለ ኣትዮም።

እቶም ሚኒስተራት ብሰንኪ ደርቂ ኣብ ሓደጋ ጥምየት ወዲቑ ንዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዝውዕል ምግቢ፣ ክዳንን ካልኦት ናዉትን ሒዞም ከምዝመፁ ነቲ ልኡኽ ኣቀባብላ ካብ ዝገበራ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓልፊት ቢሮ ፋይናንስን ምትእኽኻብ እቶትን ዶ/ር ምሕረት በየነ ገሊፀን።

ሚኒስተር ሚኒስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዉን ዶክተር ኣርጎጌ ተስፋየ እቲ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኪሩ ከምዝቕፅልን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ነናብ መረበቶም ክምለሱ ድማ ፃዕሪ ከምዝግበርን ሓቢረን።

እቲ ዝተረኸበ ሓገዝ ብቑልጡፍ ናብ ዝተፀገሙ ወገናት ከምዝባፃሕ ዝገለፃ ዶ/ር ምሕረት በየነ ንልዕሊ ክልተ ዓመት መሃያ ዘይተኸፈሎ ስራሕተኛ መንግስትን ጡረተኛን ትግራይ ኣብ ዓብይ ፀገም ከምዘሎን ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብሪሀን። 

እቶም ሚኒስተራት ኣብ ማእኸላት መዕቖቢ ተመዛበልቲ መቐለ ዑደት ዝገበሩ እንትኾን ተፈናቐልቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይምርካቦም ንዝኸፍአ ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማት ተቓሊዖም ምህለዎምን ዝምልከቶ አካል ህፁፅ ሓገዝ ክገብረሎም ነቶም ሚኒስተራት ገሊፆምሎም።

እቶም ሚኒስተራት ኣብ ህልው ኩነታት ትግራይ ኣመልኪቶም ምስ ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘትዮም።

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለመደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሐዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ የድሊ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላትን ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝገብርዎ ውስን ደገፋት ዝነኣዱ ፕረዚደንት ጌታቸዉ ቐፃልነት ክህልዎ ፀዊዖም።

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ካብ ዘሎ ኩለ መደያዊ ሓደጋ ንክወፅእ ሕዚ እውን ዝተዋደደ ርብርብ ከምዘድሊ ድማ ተዛሪቦም።

ፀገም ተመዛበልቲ ዝፍታሕ ናብ መረበቶም እንትምለሱ እዩ ዝበሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትግራይ መሊስካ ንምህናፅ አብ ዝግበር ፃዕሪ ኩሉ ክረባረብ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሚንስተር ሚንስትር ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዉን ዶክተር ኣርጎጌ ተስፋየ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ሰብኣዊ ቁልውላውን ማሕበረ ቁጠባዊ ፀገማትን ከምዘሕዘነን ብምግላፅ ብዉዕሊ ፕሪቶርያ ዝተጀመረ ሰላም ዘላቒ ንምግባርን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን ህዝቢ ናብ ንቡር መንርባብርኡ ክምለስን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝዝርራብ ከምዝሰርሓ ሓቢረን።