Home ዜና ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ብስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ግዳይ ስቓይን ሞትን ይኾውን ከምዘሎ...

ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ብስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ግዳይ ስቓይን ሞትን ይኾውን ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

1906

ኣብታ ወረዳ ካብ ዝርከብ ጣብያ ጥዕና እንዳሞሳ ጥራሕ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብስእነት መድሓኒት ህይወት 12 ወገናት ከም ዝሓለፈ ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊፆም፡፡

ኣይተ ካሕሳይ ገብረን ኣይተ ተስፋይ ካሕሳይን ግልጋሎት ሕክምና ንምርካብ ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ጥዕና እንዳሞሳ ዝረኸብናዮም ወገናት እዮም፡፡

ሰብ ሞያ ጥዕና ግልጋሎት ይሂቡ ዋላኳ እንተሃለው ኣብቲ ጥዕና ጣብያ መድሓኒት ከምዘይረኸቡን ህይወቶም ድማ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎን እቶም ወገናት ይዛረቡ፡፡

ወረርቲ ሓይሊታት ኣብታ ጣብያ ጥዕና ከቢድ ዕንወትን ጉሕለትን ከምዘብፀሑ ዝሓበሩ ሰብ ሞያ ጥዕና ብወገኖም ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም እውን እንተኾነ ብስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ሕብረተሰብ ግልጋሎት ሕክምና ክረክብ ከምዘይከኣለ ይገልፁ፡፡

ብስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ሕብረተሰብ ይሳቐ ከምዝሎ ዝገለፁ ዳይሬክተር ጣብያ ጥዕና እንዳሞሳ ኣይተ ተስፋይ ስባጋድስ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብስእነት መድሓኒት ህይወት 12 ወገናት ከምዝሓለፈ የረዲኡ፡፡

ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ብስእነት መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ግዳይ ስቓይን ሞትን ይኾውን ከምዘሎ ዝሓበሩ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣይተ ሙዑዝ ወ/ገብርኤል ህይወት ሕብረተሰብ ንምድሓን ኣድላይ ደገፍ ክበርን ሰራዊት ኤርትራ ክወፅእን ይግባእ ኢሎም፡፡

ኣብ ወረዳ ኢሮብ ካብ ዝርከባ 19 ትከላት ጥዕና እተን 8 ሐዚ እውን ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝርከባ ካብ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ብታደለ ዳኘዉ