Home ዜና ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሞትን ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ...

ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ከቢድ ጥሜትን ሞትን ከምዝርከብ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

4230

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ካብተን ሓራ ዝኾና ጣብያታት ወረዳ ኢሮብ ብሰንኪ ጥሜት ህይወት 59 ወገናት ከምዝሓለፈ ቤት ፅሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብታ ወረዳ ብዘሎ ድርቂን ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከምዝርከቡ ዝገለፁ ተመዛበልቲን ነበርቲን እታ ወረዳ  ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም ድማ ተላብዮም፡፡

ኣይተ ወልደስላሰ ሃይሉ ካብ ጣብያ ወርዓትለ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደውሃን ምስ ቤተሰቦም ኣዕቒቦም ዝርከቡ እዮም፡፡ ወ/ሮ ፈትየን ስዩም ድማ ነባሪት ከተማ ደውሃን እየን፡፡ እዞም ወገናት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ብዘሎ ተፈጥሮኣዊ ድርቂን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝዘለቐ ስእነት ሰብኣዊ ሓገዝን ብሓለንጊ ጥሜት ስቓይ የሕልፉ ከምዘለው ይዛረቡ፡፡

ስምምዕነት ስላም ፕሪቶሪያ ምስተፈረመ ናብ መረበቶም ክምለሱን ሰብኣዊ ሓገዝ ክቐርበሎምን ተስፋ እኳ እንተገበሩ እዚ ከምዘይተተግበረን ዝሓበሩ እቶም ወገናት ህይወቶም ንምድሓን ብዝምልከቶም አካላትን ገበርቲ ሰናይን ህፁፅ ሓገዝ ክቐርበሎም ፀዊዖም፡፡

ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ከቢድ ጥሜት ከምዝርከብ ዝገለፁ ኣተሓባባሪ ቤት ፅሐፈት ማሕበራዊ ጉዳይ እታ ወረዳ ኣይተ ኣለም ንጉሰ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ኣብተን ሓራ ዝኾና ጣብያት ካብ ዝነብር ህዝቢ ብሕሱም ጥሜትን ህይወት 59 ወገናት ከምዝሓለፈ ገሊፆም፡፡

ዝበዝሕ ከባቢ ወረዳ ኢሮብ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ስራዊት ኤርትራ ከምዝርከብን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ህዝቢ እታ ወረዳ ድማ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ መዕቆቢ ከምዘይብሉን ኣብ ሓደጋ ሞት ከምዝርከብን ኣይተ ኣለም ወሲኾም ኣረድኦም።

ብታደለ ዳኘው