Home ዜና ህዝብን ምምሕዳርን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ዝግመት...

ህዝብን ምምሕዳርን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ዝግመት 1500 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻ ንትግራይ ሓጊዙ።

1597

ህዝብን ምምሕዳርን ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 18 ሚልዮን ብር ዝግመት 1500 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻን ንቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣረኪቡ። ነቲ ሓገዝ ዘረከቡ ተወካሊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ብሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ደቡብ ኢትዮጵያ ኣለምይርጋ ወልደስላሴ ህዝቢ ትግራይ ንምሕጋዝ ብዝኣተወ ቃል መሰረት 18 ሚልዮን ብር ዝግመት 1500 ኩንታል ምሩፅ ዘርእን ዝተፈላለዩ ናዉቲ ሕርሻን ከም ዘረከቡ ሓቢሮም።

ህዝቢ ትግራይ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ከቢድ ምዃኑ ንርዳእ ኢና ዝበሉ ኣይተ ኣለምይርጋ ነዚ መስረት ብምግባር ብቐፃልነት እዉን ምስ ኣመራርሓ መንግስቲ ትግራይ እናተዘራረብና ሓገዝና ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ክብሉ ገሊፆም።ሓላፊ ቢሮ ልምዓት ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ምሩፅ ዘርእን ናዉቲ ሕርሻን ህዝቢ ትግራይ ንዝጠለቦ ዘሎ ቀረብ እታታት ሕርሻ ሓጋዚ ብምዃኑ ንዝተገበረልና ሓገዝ ነመስግን ኢሎም።

እንተኾነ ግና ኣብቲ ዝተፈፀመ ወራር ሓረስታይ ትግራይ ኮነ ተባሂሉ ዘርኢ ከይረክብ ዝራእቱ፣ናዉቲ ሕርሽኡን እንስሳቱን ተቓፂሉን ተጓሒሉን ብምዃኑ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ከቢድ ፀገም ክወፅእ ኣብ ምግባር ሕርሻሚ ማእቶታት ክረክብ ምግባር ቀዳምነት ዋኒን መንግስቲ ትግራይ ብምዃኑካልኦት ክልላት እዉን ንትግራይ ክሕግዙ ፃዉዒት ኣቕሪቦም ዶ/ር ኢያሱ ኣብርሃ።

ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከንቲባታት ምምሕዳር ከተማታትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዑደት ኣብ ዝገበርሉ እዋን ኣብ ሕዉየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ሓገዝ ክገብሩ ቃል ዝኣተው እንትኾኑ ክልል ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ 30 ሚልዮን ብጥረ ገንዘብ 20 ሚልዮን ድማ ብዓይነት ንምሕጋዝ ቃል ኣትዩ ምንባሩ ምፅብፃብና ይዝከር።

#ተኽለወይኒ ኪዳነ