Home ዜና ህዝቦም ካብ ሙሉእ ፅንተት ዘድሐኑ ጀጋኑ

ህዝቦም ካብ ሙሉእ ፅንተት ዘድሐኑ ጀጋኑ

416

ተጋደልቲ ትግራይ ህዝቦም ካብ ፅንተት ዘድሐኑ ብሄራዊ ጀጋኑ እዮም- ነባራት ተጋደልቲ፡፡
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ ሰለሰተ ዓመታት ዘካየዶ ናይ ፅንተት መኸተ ሃለዋቱን ድሕንነቱ ንምርግጋፅ ክቡር መስዋእቲ ከምዝኸፈለ ነባራት ተጋደልቲ ተዛርቦም፡፡

ተጋደላይ ተኽለሚካኤል ሃይሉን ተጋደላይ ኩሕለን ተኽሉን ነባራት ተጋደልቲ ነበርቲ ከተማ መቐለ እዮም፡፡ እዞም ነባራት ተጋደልቲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ዘካየዶ ናይ ፅንተት መኸተ ሃለዋቱን ድሕንነቱን ንምርግጋፅ ኣማራፂ ስእኑ ዝኣተዎ ኵናት ከምዝነበረ ይዛረቡ፡፡

ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ብዝተገበረ መሪር ተጋድሎ መላምል ብሄራዊ ጀጋኑ ደቂ ትግራይ መስተንክራዊ ጀግንነትን ቅያን ፈፂሞም ክቡር መስዋእቲ ከምዝኸፈሉ ዝሓበሩ ተጋደላይ ተኽለሚካኤልን ተጋደላይ ኩሕለንን ነቶም ጀጋኑ ንመስዋእቶም ዝምጥን ክብሪን ሞሳን ክወሃቦም ከምዝግባእ ድማ ገሊፆም፡፡

ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ረኽብዎ ዘሎ ኣፋፍኖት ሰላም ሰላ ክቡር ኣካላዊ መጉዳእትን መስዋእትን ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ እዩ ዝበሉ እቶም ነባራት ተጋደልቲ ነፍሰወከፍ ትግራዋይ ሕድሪ ብሄራዊ ጀጋኑ ትግራይ ብዝግባእ ክፍፅም ዕዳ ኣለዎ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ምእንተ ህላወ ህዝቢ ትግራይ እንኮ ህይወቶም ዝገበሩ ብሄራዊ ጀጋኑ ትግራይ ስድራኦም ብምሕብሓብን ትግራይ ብምልማዕን ክድበሱ ከምዘለዎም ድማ እቶም ነባራት ተጋደልቲ መልኣኽቶም ኣሕሊፎም፡፡
ብታደለ ዳኘው