Home ዜና ህዝቦም ካብ ፅንተት ንምድሓን ኣብ ዘካየድዎ መኸተ ልኡኾም ፈፃሞም ብኽብሪ ንዘተሰነዩ ሓርበኛታት...

ህዝቦም ካብ ፅንተት ንምድሓን ኣብ ዘካየድዎ መኸተ ልኡኾም ፈፃሞም ብኽብሪ ንዘተሰነዩ ሓርበኛታት ጀጋኑ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ወረዳ ስለዋ ህዝብን ምምሕዳርን እታ ወረዳ ብድምቀት ተቐቢሉ።

787

ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ስለዋ ኣይተ ኣሸናፊ ዘውደ ትማሊ ምስ ዕስለ ፀላእቲ ዝተሓናነቕ ዝነበረ ተጋደላይ ህዝባዊ ልኡኽቱኡ ፈፂሙ ናብ መረበቱ ምምፅኡ ከምዘሓጎሶም ገሊፆም ፡፡

ልዕሊ እዚ ተጋዳለይ ዝሕብሐብን ዝድገፍን የለን ድሕሪ ምባል ናብ ስድርኡ ኣትዩ እግሪ ክተክል ምግባር ዋኒን ህዝብን መንግስቲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣባል ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ዝኾኑ ተጋዳለይ ካሕሳይ ንጉስ ብወገኖም ሓርበኛታት ተጋደልቲ ከምቲ ኣብ ግንባር ዘራእኹሞ ቖራፅነት በቢ ከባቢኡ ዝረአ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ፈታሕቲ ክትኾኑ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ተመለስቲ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ድማ ኣብ ግንባር ዘራእናዮ ቅያ ምስ ህዝብና ኮይንና ኣብ ኩለመዳይ ልምዓትን ምውሓስ ፀጥታ ክንደግሞ ኢና ኢሎም፡፡

ይኹን ደኣምበር ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ተግባራዊ ክግበርን ግዛታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ሰብ ዋና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ተመዛበለ ህዝብና ድማ ብቑልጡፍ ክምለስ ፀዊዖም።

ህዝቢ ወረዳ ስለዋ ብወገኑ ምእንተ ህዝቢ ኢልኹም መተካእታ ዘይብላ እንኮ ሂዎትኹም ንምውፋይ ወፂእኹም መስተንክራዊ ጅግንነት ፈጺምኩም ምምላስኹም ሕጉሳት ኢና ብምባል ሓርበኛታት ተጋደልትና ብኩለመዳይ ንምሕጋዝ ኣብ ጎንኹም ኢና ኢሎም ።