Home ዜና ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮ ሕፅረት ምግቢ

ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮ ሕፅረት ምግቢ

560

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ትግራይ ኩነታት ኣመጋግባ ነፍሰ ፁራትን መጥበውትን ኣዴታትን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናትን ሕዚ እውን ህፁፅ ምላሽ ዘድልዮም ምዃኑ ገሊፁ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC ፕሮግራም ኣመጋግባ ንኣሽሓት ሕፅረት ምግቢ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝድግፍ ኮይኑ ህይወት ዘድሕን መደብ ምዃኑ ዝገልፀ እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ብዙሓት ክትበፅሖም ኣፀጋሚ ዝኾኑ ቦታታት ሰለዘዉ ኣሽሓት ህፃናት ንዝኸፍኣ ሕፅረት ምግቢ ይሳጥሑ ምህላዎም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ጨንፈር ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል (ICRC) ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ኣብ ትግራይ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመኦም ህፃናት ፣ ነፍሰፆርን መጥቦብትን ኣዴታት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ከምዝርከቡ ዕላዊ ገይሩ ።ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትግራይ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2015 ዘካየዶ ዳህሳስ መበገሲ ገይሩ ኣብ ዘሐተሞ መፅሄት ኣብ ትግራይ ብሕፅረት ምግቢ ዝጥቅዑ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህፃናት ፣ ነፍስፆራትን መጥቦብትን ኣዴታት ሂወቶም ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ምውዳቑ ኣረጋጊፁ ኣሎ።

ብወይ ኣንተ ቡዙነህ