Home ዜና ለበዳ ሕማም ዓሶ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ

ለበዳ ሕማም ዓሶ ንምንካይ ይስራሕ ኣሎ- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ

564

ለበዳ ሕማም ዓሶ ንምንካይ ይሰርሕ ከምዘሎ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣፍሊጡ።

ከም ለበዳ ተላዒሉ ዘሎ ሕማም ዓሶ ዝርግሕኡ ንምንካይ ምንቅስቓስ ይገብር ከም ዘሎን ዛጊድ ልዕሊ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዛንዚራ ከም ዝተከፋፈለን ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ዶክተር ኣማኑኤል ሃይለ ገሊፆም።እቲ ዝተኸፋፈለ ዛንዚራ ዉሑድ ስለ ዝኮነ ንነፍሰፁር ኣዴታትን ህፃናትን ቀዳምነት ተዋሂቡ ከምዝተኸፋፈለ ዶክተር ኣማኑኤል ወሲኮም ሓቢሮም።

እዘን ተረኪበን ዘለዋ ዛንዚራ ብኣገባቡ ብምጥቃም ጥዕና ሕብረተሰብና ምሕላው ከምዝግባእ ዶ/ር አማኑኤል ኣተሓሳሲቦም።ቅድሚ ሐዚ ሕማም ዓሶ ንምክልኻል ብወፍሪ ዝፍፀሙ ዝነበሩ ተግባር ማለት እውን ጀቕጀቕ ብቅልጡፍ ምድፋንን መራብሒ ጣንጡ እዬም ኢልካ ዝሕሰቡ ናውትታትን ቦታታትን ምፅራግን ከምዝግባእ እውን ዶ/ር ኣማኑኤል ገሊፆም።

#ብፋና ሊላይ