Home ዜና ለበዳ ሕማም ዓሶ-

ለበዳ ሕማም ዓሶ-

568

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ብሰንኪ ስእነት ናውቲ መከላኸሊን ቐረብ መድሓኒትን ለበዳ ሕማም ዓሶ ኣብ ዝለዓለ ብርኪ ለበዳ በፂሑ ከም ዘሎን ዛጊድ ሽፋን እቲ ለበዳ 70 ሚእታዊ ከምዝበፀሐ ቤት ፅሕፈት ጥዕና እታ ወረዳ ኣፍሊጡ፡፡

ሰገን ኣሸናፊ በርሀ፣ ወይዘሮ ፅገ ተወልደን ኣይተ በርሀ ኤልያስን ኣብ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ጣብያ ጥዕና ሃወይ ፋሚሊ ሕክምና ክግልገሉ ዝረኸብናዮም ወገናት እዮም፡፡ እዞም ወገናት ናውቲ መከላኸሊ ሕማም ዓሶ ኮነ እኹል ቐረብ መድሓኒት ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም ብተደጋጋሚ ብሕማም ዓሶ ይጥቃዑ ከምዘለው ገሊፆም፡፡

ኣብቲ ጣብያ ጥዕና ግልጋሎት ክህቡ ዝረኸብናዮም ሰብሞያ ጥዕና ብወገኖም ንግልጋሎት ሕክምና ናብቲ ጣብያ ጥዕና ካብ ዝኸዱ ተገልገልቲ ዝበዝሑ ብዓሶ ዝተጠቕዑ ኮይኖም ከም ዝርከቡን ብፍላይ ድማ ኣዴታትን ህፃናት ይጉዳኡ ከምዘለውን ሓቢሮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ክኢላ ክትትል ሕክምና ኣይተ ሃይሉ ማስካረ ብወገኑ ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ስዒቡ ኣብያተ ጥዕና እታ ወረዳ ብዕናወንን ዛጊድ ድማ እኹል ቐረብ መከላኸሊ ናውቲ ኮነ መድሓኒት ብዘይምህላውን ለበዳ ሕማም ዓሶ ልዕሊ 70 ሚእታዊ በፂሑ ከምዘሎ ኣብሪሆም፡፡

ኣብታ ወረዳ ኣጋጥሙ ዘሎ ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ ለበዳ ሕማም ዓሶ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን መንግሰቲ ትግራይ ኮነ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ህፁፅ መፍተሒ ክገብሩ ይግባእ ክብሉ ኣይተ ሃይሉ ወሲኾም ኣተሓሳሲቦም፡፡

#ታደለ ዳኘው