Home ዜና ልሙዕነት ሓመድን  መፍረይነትን

ልሙዕነት ሓመድን  መፍረይነትን

170

ፀገማትና ብዘላቅነት  ዝፍትሑ ብዓርሰ ምርኮሳ  ብምዃኑ  መሃዝቲ  ክነተባብዕ  ይግባእ— ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ

ምክትል ፕረዚዳንት ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገ/ትንሳኤ ፀገማት ትግራይ ዝፍታሕ ብዓርሰ ምርኮሳ ብምዃኑ መሃዝቲ ክነተባብዕ ኢና ኢሎም።

ሓመድ ብምልማዕን ብምሕካምን መፍረይነት ሕርሻ ዘበርኽ ተፈጥራዊ ድኹዒ /ኮምቦስት/ ናብ ሓረስታይ ክተኣታትቶ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይስራሕ ከምዘሎ ማሕበር መፍረዪ ተፈጥራዊ መዳበርያን ፀረ ባልዕን ቶፕ ኣፍሊጡ።

እቲ ማሕበር ነዚ ዝገለፀ ኣብ ልሙዕነት ሓመድን መፍረይነት ሕርሻን መሰረት ዝገበረ  ስራሕቲ ምህዞ   ዕላዊ ንምግባር  ምስ ዩ ኤስ አይዲ ብምትሕብባር ኣብ ከተማ መቐለ  ኣብ ዝተሳለጠ ዋዕላ እዩ።

በዓል ሞያ ሕርሻ  ኣይተገብረየሱስ በየነ ኣብ ሃገረ እስራኤል ፣ዱባይን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካን ብዝቐሰሞ ተመኩሮ ኣማዕቢሉ ፀገም  መፍረይነት ሕርሻ  ትግራይ ንምፍታሕ ልሙዕነት ሓመድ  ዘማዕብል ኣብ 21 መዓልታት ዝባፅሕ ተፈጥራዊ ድኹዒ ብምምሃዝ ምስ  ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር መፍረዪ ተፈጥራዊ መዳበርያን ፀረ ባልዕን ቶፕ  ተላፊኑ ይሰርሕ አሎ።

ነቲ ኣብ ትግራይ የጋጥም ዘሎ ሕፅረት እታዎታት ሕርሻ ንምትካእ ግዘን ጉልበትን ቆጣባይ ዝኾነ  ኣብ ምውሳኽ ልሙዕነት ሓመድን መፍረይነትን ርኡይ ተራ ዘለዎ ምህዞ  ከምዝመሃዘ ድማ አይተ  ገብረየሱስ ይዛረብ።

ኣብ  ማእኸል ሞርምር ሕርሻ መቐለ ተመራማሪት ሓመድ ዶ/ር መድህን ብርሃነ እቲ ሕዚ ተማሂዙ ዘሎ ተፈጥራዊ ድኹዒ ብምርምር ተረጋጊፁ ናብ ሓረስታይ ክተኣታቶ ይስራሕ ከምዘሎ ይገልፃ።

ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምዝማንን መፍረይነት ኣብ ምዕባይን ስራሕቲ ምርምር ወሰንቲ እዮም ዝበላ ዶክተር መድህን ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ተመራመርቲ ምህዞታቶም ቅድሚ ናብ ተጠቀምቲ ምብፅሖም ኣፍልጦ ክረኽቡ ይግባእ ይብላ።

 ኣካያዲ ስራሕ መፍረዪ ተፈጥራዊ መዳበርያን ፀረ ባልዕን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ቶፕ ዶ/ር ኣብርሃም  ታደሰ ሓመድ ብተፈጥራዊ ድኹዒ ብምልማዕን ብምሕካምን መፍረይነት ሕርሻ ንኽዓቢ ሓረስቶት ምሕጋዝ ኣገዳሲ ምዃኑ የብርሁ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ትግራይ አይተ ኣበራ ከደነው ብወገኖም ቀፃልነት ዘለዎ  መፍረይነት ምህርቲ ሕርሻ ንምርግጋፅ ጥዕና ሓመድ ምሕላውን ምልማዕን ኣካል ስራሕቲ ዳግመ ሕውየት ምዃኑ ይሕብሩ።

ምክትል ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ፀገማት ትግራይ ዝፍታሕ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ዘይተመቻቸወ ባይታ ኮይኖም መፍረይነት ሕርሻ ንክመሓየሽ ኣብ ምህዞ ዝነጥፉ ወገናት ክተባብዑን ኣፍልጦ ክወሃቡን ምዃኖም የፍልጡ።

ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር መፍረዪ ተፈጥራዊ መዳበርያን ፀረ ባልዕን  ኣብ 53 ወረዳታት ትግራይ 2100 ሞዴል ሓረስቶትን 21 ሽሕ ሓረስቶትን ንምስልጣን ትልሚ ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብቲ እዋን ተሓቢሩ።

ብጎይትኦም  ተኸስተ